ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሞቓድሾ: ሓይልታት ፀጥታ ሶማሌ ዕጡቓት ኣልሸባብ ተቖፃፂሮምዎ ንዝነበረ መንበሪ ህንፃ ከምዝተቆጻጸርዎ ኣፍሊጦም


ሓይልታት ፀጥታ ሶማሌ ዕጡቓት ኣልሸባብ ኣብ ሞቓድሾ ተቖፃፂሮምዎ ንዝነበረ መንበሪ ህንፃ ድሕሪ ናይ 24 ስዓታት ውግእ ከምዝተቆጻጸርዎ ኣፍሊጦም።

ጋዜጠኛታት ናብቲ ከባቢ ከይፅግዑ ዝኣገዱ ሓይልታት ፀጥታ ሬሳታት ይእክቡ ከምዝነበሩ ሪፖርተር ድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሩ።

ትማሊ ሓሙስ ቦምብ ዝፀዓና ክልተ መካይን ተተኩሰን ልዕሊ 30 ሰባት ከምዝተቐትሉን ካልኦት ልዕሊ 40 ሰባት ከምዝቖሰሉን ምንጭታት ገሊፆም ኣለው።

ድሕሪ እቲ ቦምብ ዕጡቓት ኣል-ሸባብ ቶኽሲ ብምኽፋት ነቲ ከባቢ ተቖፃፂሮምዎ፤ክሳብ ሎ ዓርቢ ድምፂ ቶኽሲ ከምዝነበረ ተፈሊጡ’ሎ።

ኣል-ሸባብ ሓላፍነት እቲ መጥቓዕቲ ወሲዱ’ሎ።

XS
SM
MD
LG