ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሞቃዲሾ: ንናይ ጸጥታ ኮንቮይ ዝዓለመ ርእሰ ቕትለታዊ መጥቓዕቲ ሰባት 8 ቀቲሉ


በቲ መጥቓዕቲ ዝዓነዋ ኣውቶቡሳት ተማሃሮ
በቲ መጥቓዕቲ ዝዓነዋ ኣውቶቡሳት ተማሃሮ

ኣብ ዋና ከተማ ሶማል ኣብ ጥቓ ሓደ ቤት ትምህርቲ ብዝተፈፀመ ርእሰ ቕትለታዊ መጥቓዕቲ ብውሑዱ ሸሞንተ ሰባት ተቐቲሎም ካልኦት 17 ድማ ቆሲሎም። ወሃቢ ቃል ፖሊስ ሞቓድሾ ዓብዲፋታሕ ኣደን ሃስ እቲ መጥቓዕቲ ንናይ ፀጥታ ኮንቨይ ዒላማ ዝገበረ እዩ ኢሎም።

እቲ መጥቓዕቲ ክፍፀም ከሎ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ተማሃሮ ኣብ ውሽጢ እቲ ቤት ምህርቲ ምንባሮምን ካብቶም ዝቖሰሉ 13 ተማሃሮ ምዃኖምን ተፈሊጡ ኣሎ።

ኣኽራሪ ጉጅለ ኣል ሸባብ ብደገፍቱ መሓውራት ዜና ኣቢሉ ነቲ መጥቓዕቲ ሓላፍነት ወሲዱ ኣሎ።እዚ ዝኸውን ዘሎ ሓደ ሶማሊያዊ ውሩይ ጋዜጠኛ ብርእሰቕትለታዊ መጥቓዕቲ ድሕሪ ምቕታሉ ኣርባዕተ መዓልታት'ዩ።

XS
SM
MD
LG