ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ም/ፕረዚደንት ማላዊ ብክሲ ብልሽውና ካብ መዝነቶም ተኣጊዶም


ሳውሎስ ቺሊማ
ሳውሎስ ቺሊማ

ፕረዚደንት ማሊ ላዛሩስ ቻኩዌራ ቤት ጽሕፈት ብልሽውና'ታ ሃገር ንምክትል ፕረዚደንት ሳውሎስ ቺሊማ ብለውጢ መንግስታዊ ኮንትራት ጉቦ ተቐቢሎም ክብል ድሕሪ ምክሳሱ ካብ ስልጣኖም ኣጊዶምዎም።

እቲ ቢሮ ፀረ ብልሽውና ናይ ብሪጣንያ ኤጀንሲ ሃገራዊ ብልሽውና ካብ ዙነት ዓብዱል ራሺድ ሳታር ካብ ዝተባህለ ነጋዳይ ጉቦ ዝተቐበሉ መንግስታዊ ሰበስልጣን ማላዊ ቺሊማ ሓደ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጹ ሓደ ወርሒ'ዩ ስጉምቲ ካብ መዝነት ምእላይ ዝተወስደ።

ሳታር ኮንትራት ንምስዓር ንሰበስልጣን መንግስቲ ማላዊ ጉቦ ሂብካ ብዝብል ክሲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ብሪጣንያተኣሲሩ ነይሩ።ሳታር ነቲ ኽሲ ነፂጉዎ።

ፕረዚደንት ቻክዌራ ትማሊ ሰሉስ ብቴሌቪዥን ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ንስልጣን ምኽትል ፕረዚደንት ቺሊማ ብምእጋድ ንኢንስፔክተር ጀነራል ኣገልግሎት ፖሊስ ማላዊ ጆርጅ ከይንጃ ብምብራር ካልኦት ክልተ ሰበስልጣን እውን ተኣጊዶም ኣለው ኢሎም።

ኣርባዕቲኦም በቲ ናይ ብሪጣንያ ኤጀንሲ ካብ 2017 ክሳብ 2021 ኣ\ፈ ኣብ ዘሎ እዋን ካብ ሳታር ጉቦ ተቐቢሎም ዝተብሃሉ 13 ሰበስልጣን መንግስቲ ምዃኖም እቶም ፕረዚደንት ሓቢሮም።

XS
SM
MD
LG