ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ም/ፈ/ስራሕ ጥረት ኮርፖሬት ዝርከብዎም ብብልሽውና ዝተኸሱ ኣርባዕተ ሰባት ቤት ፍርዲ ቀሪቦም


ምኽትል ፈፃሚ ስራሕ ጥረት ኮርፖሬት ኩባንያን ዋና ኣካያዲ ስራሕ ስራሓት ንግዲ ኣምባሰልን ኣቶ ምትኩ በየነ
ምኽትል ፈፃሚ ስራሕ ጥረት ኮርፖሬት ኩባንያን ዋና ኣካያዲ ስራሕ ስራሓት ንግዲ ኣምባሰልን ኣቶ ምትኩ በየነ

ምኽትል ፈፃሚ ስራሕ ጥረት ኮርፖሬት ኩባንያን ዋና ኣካያዲ ስራሕ ስራሓት ንግዲ ኣምባሰልን ኣቶ ምትኩ በየነ ምስ ኣርባዕተ ጥርጡራት ሎሚ ባህርዳር ኣብዝርከብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም።ካብቲ ቦታ ዝተረኽበ ጸብጻብ እቲ ጉዳይ ቅድም ክብል ብገበን ብልሽውና ተጠርጢሮም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምስ ዝርከቡ ኣቶ በረኸት ስምኦን ዝተኣሳሰረ እዩ ይብል።

ኣቶ ምትኩ በየነ ምኽትል ፈፃሚ ስራሕ ጥረት ኮርፖሬትን ዋና ኣካያዲ ስራሓት ንግዲ ኣምባሳልን ኣብ ዝነበርሉ እዋን ናይ ህዝቢ ገንዘብ ክባኽን ገይሮም’ዮም ዝብል ክሲ ካብ ዓቃቢ ሕጊ ከምዝቐረበሎም ተገሊጹ’ሎ።ሓደ ካብ ዝተጠርጠርሉ ገበን “ብየዳ ሳስተይናብል ኣክስዮን ማሕበር’’ ካብ ዝተባህለ ኣክሲዮን ማሕበርን ካብ ናይ ካልኦት ሰብሃብቲ ኣክስዮን ማሕበርን ኣብ 2005 ዓ.ም ብ1.4 ሚሊዮን ብር ካብ ጥረት ወፃኢ ኮይኑ ብዘይኣግባብ ክኽፈል ገይሮም ይብል።

ጥረት ብሽርክና ዝመሰረቶም ኩባንያታት ልቓሕ ንምሃብ ዘፍቅድ ኣሰራርሓ ኣብ ዘይብሉ ‘’ንባህር ዳር ሞተርስን ብየዳን ሳስተይናብል ኣክሲዮን ማሕበር’’ በዓል ኣቶ በረኸት ስምኦን ምስ ዝመርሑዎ ካልኦት ኣባላት ኣመራርሓ ጥረት ብምዃን ልዕሊ ኣርባዕተ ሚሊዮን ብር ክውሃብ ገይሮም ይብል።

ኣቶ ምትኩ ኣብ ዝሃብዎ መልሲ እቲ ተፈፂሙ ዝብሃል ገበን ሕጊ ፀረ ብልሽውና ኣብ 2007 ዓ.ም ቅድሚ ምውፅኡ ስለዝኾነ እቲ ኮሚሽን ክሪኦ ስልጣን የብሉን ክብሉ ተኸራኺሮም።

እቲ ቤት ፍርዲ ንናይ ኣቶ ምትኩ ሙግት ውዱቕ ብምግባር ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክፀንሑን ተወሳኺ ናይ 14 መዓልታት ናይ ምርመራ ግዜ ብምሃብ ን11 ለካቲት 2011 ዓ.ም ክቐርቡ ወሲኑ።

ካብቶም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝውዓሉ ካልኦት ክልተ ተጠርጠርቲ እውን ካብ ጥረት ኮርፖሬት ልቓሕ ምውሳድን ካብ ዋጋ እቲ ንብረት ንላዕሊ ንጥረት ኮርፖሬት ምሻጥን ዝብሉ ብዓቃቢ ሕጊ ተኸሲሶም ኣለው።ቤት ፍርዲ እቶም ተጠርጠቲ ብዋሕስ ንክፍትሑ ንዘቕረቡዎ ሕቶ’ውን ውዱቕ ጌሩ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG