ኣዲስ ኣበባ —
ኣብ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ምክትል ጸሓፊት ቤት ጽሕፈት ህዝቢን ስደተኛታትን ኤልሳቤጥ ካምፕቤል፣ ኣብ ጋምቤላ፣ ሰመራን ኣዲስ ኣበባን ምብጻሕ ፈጺመን።
ኣብ ጋምቤላ ምስ ምክትል ፕረዚደንት’ቲ ክልል ተዘራሪበን ንመዕቆቢ ስደተኛታት’ውን ተዓዚበን።
ኣብ ሰመራ ምስ ከንቲባ’ታ ከተማ ተራኺበን፣ ኣብ ሰርዶ ናብ ዝርከብ መዓስከር ተፈናቀልቲ በጺሔን። ኣብ መወዳእታ መገሸአን፣ ትካል ስደተኛታት ሕ/ሃ ንዳግመ ሰፈራ ቃለ መጠይቅ ዝገብረሉ ህንጻ በጺሓን።