ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ም/ኣቦመንበር ሉኣላዊ ባይቶ ሱዳን ኣብ ኤርትራ ናይ ሓደ መዓልቲ ምብጻሕ አካይዶም: ናብ ሃገሮም ተመሊሶም


ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ሎሚ 8 ጥሪ,2021 ንምኽትል ኣቦመንበር ሉኣላዊ ባይቶ ሱዳን ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ደያሎ ኣብ ቤተመንግስቲ ተቐቢሉ ኣዘራሪብዎ።ኣብቲ ርክብ ኣብ ክልተኣውን ዞባውን ጉዳያት ከምዝተዘራረቡን ብሓባር ንምስራሕ ኣብ ስምሞዕ ከምዝበጽሑን ኣገልግሎት ዜና ኤርትራ ገሊጹ።

ብጀነራል መሓመድ ሓምዳን ደያሎ ዝተመረሐ ልዕለዋይ ልኡኽ ሱዳን ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ኣብ ዝኣተወሉ ንኣብ ኣስመራ ዝገበሮ ናይ ሓደ መዓልቲ ዝገበሮ ምብጻሕ ፈጺሙ ኣብ ዝተመልሰሉ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዖስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚዳንት የማነ ገብረእብን ተቐቢሎም ከምዘፋነውዎም እቲ ዜና ሓቢሩ'ሎ ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ።


XS
SM
MD
LG