ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ም/ሚ/ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ንጉዳይ ኣፍሪቃ ቲቦር ናጅ ኣስመራ ኣትዮም


ምኽትል ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ንጉዳይ ኣፍሪቃ ቲቦር ናጅ ሎሚ ኣስመራ ኣትዮም ኣለው።ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ክኣትው ኸለው፡ ኣማኻሪ ፕረዚደንት የማነ ገብረኣብን፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኤምባሲ ኣሜሪካን ተቐቢሎሞ።

ቲቦር ናጅ ጽባሕ ሶሉስ ምስ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቅን ካልኦት ዝምልከቶም ሰበስልጣንን ክራኸብ ትጽቢት ይግበር ኣሎ።

ዝሓለፈ ሰሙን ዑደቱ ብኢትዮጵያ ዝጀመረ`ቲ ኣሜሪካዊ ዲፕሎማት፡ “ከምቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘለና ዓይነት ምሕዝነት ምስ ኤርትራ ክህልወና ንደልይ ኢና” ኢሉ ኔሩ።

ቲቦር ናጅ ቅድሚ ድሕሪ ናይ ኢትዮጵያ ዑደቱ ጅቡቲ ምብጽሑ ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG