ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ም/ሓላፊ ሚ/ጉ/ ወጻኢ ኣሜሪካ ንጉዳይ ኣፍሪቃ ቲቦር ናዥ ናብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክበጽሑ'ዮም


ሚንስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ሓላፊ ጉዳያት ኣፍሪቃ ቲቦር ናዥ
ሚንስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ሓላፊ ጉዳያት ኣፍሪቃ ቲቦር ናዥ

ምኽትል ሓላፊ ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ንጉዳይ ኣፍሪቃ ቲቦር ናዥ ናብ ኤርትራ: ኢትዮጵያ: ጅቡቲ: ኬንያን ጀርመንን ከምዝበጽሑ መርበብ ሓበሬታ ሚንስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ኣሜሪካ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ካብ ሕዳር 27 ክሳብ ታሕሳስ 8 ዘካየድዎ ዑደት ምኽትል ሓላፊ ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ንጉዳይ ኣፍሪቃ ቲቦር ናዥ ኣብ መንጎ ኣሜሪካን ኣፍሪቃ ናይ ንግዲን ሸቐጥን ዝምድና ንምሕያል: ነቲ ዕቑር ዓቕሚ ኣፍሪቃ ዝኾነ መንእሰይ ጽምዶ ንምክያድን ምስ መሻርኽቲ ብምዃን ንሰላምን ምርግጋእን ኣፍሪቃ ንምድንፋእ ከምኡ'ውን ነቲ ኣሜሪካ ንህዝቢ ኣፍሪቃ ዘለዋ ተአማንነት ንምርግጋጽ ኣብ ዝብሉ ጉዳያት ከምዘተኹሩ ተገሊጹ።

ቲቦር ናዥ ኣብ ኩለን ዝበጽሕወን ሃገራት ኣብ ክልቲኣዊ ዝምድና ሃገራት ዘተኾረ ርክብ ምስ ሰበ ስልጣን እዘን ሃገራት ከምዘካየዱን ኣብ ናይ አዲስ አበባ ዑደቶም ድማ ኣብ ናይ ኣሜሪካን ሕብረት ኣፍሪቃ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ዘተ ከምዝሳተፉ ኣብ ጅቡቲ ድማ ጸሓፊ ኢጋድ ተራኺቦም ከምዝዘራረቡ ተፈሊጡ'ሎ።

XS
SM
MD
LG