ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምፍኳስ ስጉምቲታት ቫይረስኮሮና ቻይና ሻቕሎት ምፍጣሩ ይግለጽ ኣሎ


ፋይል
ፋይል

ቻይና ንቫይረስኮሮና ብዝምልከት ወሲዳቶም ዝነበረት ገለ ተረርቲ ስጉምታት ከም ዘፍኮሰት ድሕሪ ምግላፃ ሓያለ ከተማታት’ታ ሃገር ማሕበረ-ሰባዊ መርመራታት ቫይረስኮሮና ብምንካየን ሻቅሎት ፈጢሩ’ሎ።ኩነታት’ቲ ቫይረስ ድማ ብደረጃ ሃገር ምውሳኹ ቀጺሉ'ሎ።

ኣብ ሰሜናዊ ቻይና ትርከብ ከተማ ሹጃውጆንግ ገለ ስድራቤታት ደቆም ብቫይረስኮሮና መታን ከይተሓዙ ኣስናኖም ወይዉን ኣእዛኖም ሓሚሞም ብምባል ካብ ትምህርቲ ክተርፉ የመኽንዩ ከም ዘለዉ ተገሊፁ’ሎ። ብመሰረት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተለጠፈ ሓበሬታ ኣብታ ኸተማ መርመራ ኮቪድ19 ከብቅዕ’ዩ።

ብመሰረት ዝወፀ ወግዓዊ መግለፂ ካልኦት ካብ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቅ ዝርከባ ከም ያንጂን ሂፊን ዝበላ ከተማታት ክግበር ዝፀንሓ ቀፃሊ ማሕበረ-ሰባዊ መርመራ ኮቪድ19 ጠጠው ክብል’ዩ።

ሚኒስትሪ ጥዕና ቻይና ብዓርቢ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ቻይና ንዝሓለፈ ዳርጋ ሰለስተ ዓመታት ንዝፀንሓ ዜሮ ኮቪድ19 ኣብ ዝብል ፖሊሲ ብምሓዝ ዝተራእየ ለውጢ ዝለዓለ ምኻኑ ብምግላፅ ንዝነበረ ስጉምታት ምፍካሱ ገሊፁ’ሎ። ገለ ካብቲ ዝተገብረ ለውጢ ንውሓት ውሸባ ብኽልተ መዓልታት ክሓፅር ምግባር’ዩ።

እዚ ለውጥታት ዝግበር ዘሎ ንቤይጂንግ ሓዉሱ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ዝለዓለ ቁፅሪ በቲ ቫይረስ ዝተታሕዙ ሰባት ምምዝጋቦም ኣብ ዝተገልፀሉ’ዩ። ኣብ ገለ ከባቢታት ቤጂንግ ዕለታዊ መርመራ ክግበር የድሊ’ዩ።

XS
SM
MD
LG