ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምፍታሕ እሱራት ፖለቲካ ኢትዮጵያ ናይ ሓባር ውሳነ መሪሕነት'ታ ሃገር ከምዝኾነ ተገሊጹ


ሚንስተር ኮሚኒኬሽን ዶ/ር ለገሰ ቱሉ
ሚንስተር ኮሚኒኬሽን ዶ/ር ለገሰ ቱሉ

ኣብ ቀረባ ዝተፈትሑ ዝተወሰኑ ናይ ፖለቲካ እሱራት፡ ካብ ቤት ማእሰርቲ ዝተፈትሑ ብመሪሕነት ፖለቲካ`ታ ሃገር ናይ ሓባር ውሳነ ምዃኑ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ሚንስተር ኮሚኒኬሽን ዶ/ር ለገሰ ቱሉ ሎሚ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ንምዕዋት ሃገራዊ ምኽክር፡ መንግስቲ ክኸፍሎ ዘለዎ ዋጋ ክከፍል`ዩ ኢሉ።

ኣብ መዝገብ ክሲ ኣቶ ጃዋር መሓመድን ኣቶ እስክንድር ነጋን ዝነበሩ ተኸሰስቲ ክሶምዝተቛረጸሉ ምኽንያት፡ ካብቲ ኣብ መዝገብ ዶ/ር ደብረጽየን ገብረሚካኤል ዝነበሩ ክሶም ዝተቛረጸሎም ሽዱሽተ ውልቀሰባት ​ዝተፈለየ ምዃኑ እቲ ሚንስተር ጠቒሱ`ሎ።

እቲ ናይ ምፍታሕ ውሳነ ብብዙሓት ኢትዮጵያውያን ቁጥዐ ምልዓሉን ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ`ውን ነዚ ከምዝኣመነሉን ይፍለጥ`ዩ።

ብዛዕባ`ቲ ውሳነ ርእይትኡ ዝሃበ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ተሓጋጋዚ ፕሮፈሰር ክፍሊ ሰላምን ድሕነትን ዶ/ር ዮናስ ኣዳዬ፡ እቲ ውሳነ ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም ንኽረጋገጽ ዘተባብዕ ምጅማር`ዩ ኢሉዎ`ሎ።

እቲ ስጉምቲ ካብ ኣመሪካን ካልኦት ሃገራትን`ውን ድጋፍ ረኺቡ`ሎ።

XS
SM
MD
LG