ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምፍታሕ ኣብ ትሕቲ መዝገብ ክሲ ኣቶ ጌታቸው አሰፋ ዝተአሰሩ ሰባት ፖለቲካዊ ውሳነ ከምዘይኮነ ተገሊጹ


ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ

ኣብ ትሕቲ መዝገብ ዋና ዳይሬክተር ሃገራዊ ኣገልግሎት ሓበሬታን ድሕነትን ነበር ኣቶ ጌታቸው ኣሰፋ ካብ መንጎ ዝተኸሰሱ እቶም 20 ብዋሕስ ክፍትሑ ዝተወሰነ ንነዊሕ ግዜ ብዝተኻየደ መስርሕ ቤት ፍርዲ እምበር ብፖለቲካዊ ውሳነ ኣይኮነን ክብሉ ካብ ጠበቓታት ተኸሰስቲ ሓደ ኣቶ ዮሴፍ ኪሮስ ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ገሊፆም።

ዓቃቢ ሕጊ ዘቕረቦ ይግባይ ብምብጋስ ትማሊ ናይ ክልቲኦም ወገናት ሙግት ዝሰምዐ ጠቕላሊ ቤት ፍርዲ ውሳነ ንምሃብ ን7 ለካቲት 2014 ቆፀሮ ምሃቡ ጠበቓ ኣቶ ዮሴፍ ተዛሪቦም።

ምክትል ሚኒስትር ፍትሒ ኣቶ ፈቃዱ ፀጋ እቲ ናይ ዋሕስ ውሳነ መንግስቲ ኣብ ቀረባ ወግዓዊ ምስ ዝገበሮ ክሲ ናይ ምቁራፅ ስጉምቲ ዘይራኸብን እዩ ክብሉ ኣብዚ ሰሙን ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ገሊፆም።

XS
SM
MD
LG