ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምግላልን ኣብ አባይቲ ምዕጻው ንበይኑ ንኮሮና ቫይረስ ንምቁጽጻር አኻሊ ኣይኮነን ክብሉ ክኢላ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣፍሊጦም


መንግስታት ንኮሮና ቫይረስ ንምስዓር ዜጋታቶም ‘ኣብ ቤቶም ተዓጽዮምን ተገሊሎምን ንክጸንሑ’ ምውሳኖም በይኑ ኣኻሊ ከምዘይኮነ ክኢላ ውድብ ጥዕና ዓለም ሓቢሮም።

ማይክ ራየን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ‘እቲ ክንገብሮ ዘለና፣ ነቶም ግዳያት ቫይረስ ኣለሊና ክንረኽቦምን ክንውሽቦምን እዩ ዝግባእ’ ኢሎም።

ንሶም ወሲኾም ‘እቲ ምስ ተገሊልካ ምጽናሕ ዘሎ ሓደጋ፣ እቶም ተወሺቦም ዝቀነዩ እቲ ቫይረስ ዘለዎም ግን ዘይተፈለጡ ሰባት፣ እቶም እገዳታት ምስተላዓሉ ምስ ካልኦት ክተሕዋወሱን እቲ ቫይረስ እንደገና ከንሳዕርርን‘ ምዃኑ ገሊጾም።

መብዛሕትኡ ክፋላት ኣውሮጳን ኣሜሪካን ንቻይናን ገለ ሃገራት ኤስያን ስዒቦም ንምውጋእ ኮሮና ቫይረስ እንተሓገዘ ኢሎም ሰባት ኣብ መንበሪኦም ኮይኖም ንክሰርሑ፣ ባራት፣ ኣብያተ መግቢን ኣብያተ ትምህርቲን ንክዕጸው ኣዚዞም ኣለው።

ማይክ ራየን ነ ‘ቻይና፣ ሲንጋፖርን ደቡብ ኮርያን ምውሻብ ምስ መርመራታት ኣጣሚረን ዝሳዓበኦ ኣሰራርሓ’ዩ: ነታ ከምማእከል እቲ ለበዳ ንኤስያ ተኪኣ ዘላ ኣውሮጳ ኣሰር‘ዩ ኢሎም ።

‘ምግፋሕ ቫይረስ ኮሮና ሓደ ሻዕ ምስተፈጸመ፣ ነቲ ቫይረስ ክንሃድኖ ኣለና፣ እቲ ውግእ ደድሕሪ‘ቲ ቫይረስ ኸውን ኣለዎ’ ከምዝበሉ ትካል ዜና ሮይተርስ ገሊጹ።

‘ዝተፈላለዩ ኣፋውስ ጸረ ኮሮና ቫይረስ ኣብ ደረጃ ፈተነ ከምዘለው ዝጠቅስ ውድብ ጥዕና ዓለም፣ ዛጊድ ኣብ ኣሜሪካ ሓደ ፈውሲ ናብ ፈተነ ብርኪ ከምዝበጽሐ’ ሓቢሩ ኣሎ።

ርእይቶታት ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG