ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምጉዳል ዋጋ ባጤራ ሱዳን ኣብ ቁጠባ’ታ ሃገር ቅልውላው ይፍጥር


መንግስቲ ሱዳን ወግዓዊ ዋጋ ናይ ሱዳን ፓውንድ ብኣስታት ፍርቂ ምስ ኣውረዶ ብዙሓት ሱዳናዊያን መረረቶም የስምዑ ኣለው።ነዊሕ ዝፀንሐ ናይ ኣሜሪካ እገዳ ቁጠባ ኣብ 2017 ዓ.ም እንተተላዕለ እውን ኣብ ምሕዋይ ቁጠባ ሱዳን ብዙሕ ተስፋ ኣየምፅአን።ሱዳን ኣብ ዝርዝር መወልቲ ግብራሽበራ ኮይና ቀፂላ’ላ።

መንግስቲ ሱዳን 28 ፓውንድ ዝነበረ ዋጋ ሓደ ዶላር ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ናብ 47.5 ፓውንድ ኣውሪድዎ’ሎ።ኣብዚ ዓመት’ዚ ዋጋ ሸቐጥ ንሂሩ፣ ዝቕባበ ኸኣ ኣስታት 70 ሚእታዊት በፂሑ’ሎ።

ሓደ ሸማቲ ንቴሌቪዥን ኣል-ሑራ ከምዝገለፆ ብሰንኪ ምንሃር ዋጋ መግቢ፣ማይን መድሓኒትን ምግዛእ ኣፀጋሚ ኮይኑ’ሎ ኢሉ።ካልእ ወሃቢ ርእይቶ እውን ደሞዙ ንፍርቂ ወርሒ ከምዘይኣኽሎ ይሕብር።

ኣብ ቀረባ ቀዳማይ ሚንስተር ሱዳን ኮይኖም ዝተሸሙ ሞታዝ ሞውሳ ናይ ሱዳን ፓውንድ ብነፃነት ክንቀሳቐስ መንግስቲ ክፈቅድ እዩ ክብሉ ንፓርላማ ሃገሮም ዝሓለፈ ሶኑይ ገሊፆም።

“ናይ ሱዳን ፓውንድ ምስ ናይ ኣሜሪካ ዶላር ብናጽናት እንተተዋግዩ ኣብ ልዕሊ ዋጋ ፓውንድ ዝህልዎ ፀልዋ ንፁር ኣይኮነን እዮም ዝበሉ።”

ሱዳናዊ ክኢላ ስነ ቁጠባ ኢሳም ኢስማዒል ብወገኑ እቲ ስጉምቲ ናይ ወፃኢ ወፍሪ ከተባብዕ እዩ ኢሉ።

ናይ ንግድን ባንክታት ሱዳን ንወፍሪንን ኣውፈርትን ናይ ወፃኢ ሸርሪ ወግዓዊ ክገብሩ እዮም።

ግብፃዊ ክኢላ ፖለቲካ ሰይድ ሳዲቅ ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብዝሃብዎ ቃል ሱዳን ወታደራታ ካብ የመን ብምስሓባ ብስዑዲ ዓረብ ካብ ዝምራሕ ጥምረት ትረኽቦ ዝነበረት ሸርፊ ወፃኢ ምትራፉ ኣብቲ ቁጠባ ተፅዕኖም ከምዘሕደረ ይገልፅ።

ብዙሓት ሱዳናዊያን ክኢላታት ቁጠባ’ታ ሃገር ንዝሓለፉ 20 ዓመታት ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ሱዳን ዘንበረቶ ቁጠባዊ እገዳ ምስ ተልዓለ ክመሓየሽ እዩ ዝብል ተስፋ ነይሩዎም።

ገለ ተዓዘብቲ ሱዳን ካብ ዝርዝር መወልቲ ግብራሽበራ ክሳብ ዘይተልዓለት ኢንቨስተራት ናብታ ሃገር ንምእታው ኣይደፍሩን ይብሉ።ብተወሳኺ ምስ ኣሜሪካ ዘለዋ ርክብ ናብ ንቡር ንምምላስ ኣብ ናይ ካርቱም ኣተሓሕዛ ሃይማኖት ዝውከል እዩ ይብሉ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ምጉዳል ዋጋ ባጤራ ሱዳን ኣብ ቁጠባ’ታ ሃገር ቅልውላው ይፍጥር
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:20 0:00

XS
SM
MD
LG