ዓለም ንሓዱሽ ዓመት 2020 ብርችትን ፌስታን ተቐቢሉዋ።ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ሓዱሽ ዓመት ሰላም ብምምናይ ደቂ ኣንስትዮ ክኽበራ እምበር ክግሃሳ የብለንን ኢሎም።
ኣብ ኒው ዮርክ ኣደባባይ ታይምስ ስኳር ኣስታት ሓደ ሚሊዮን ህዝቢ ሓዱሽ ዓመት ንምቕባል ናይ መወዳእታ ሰከንድታት ብሓባር ፈቒዱ፤ብፌስታ ኣኽቢሮምዎ።
ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብ ከተማ ሪዮ ዲ ጃኔይሮ ኣብ ዝርከብ ፍሉጥ መዘናግዒ ወሰን ማይ ኮፓካባና ብርችትን ሙዚቃዊ ምርኢትን ኣኣኽቢሮምዎ ኣለው።
ኣብ ፓሪስ፣ ጎደና Champs-Elysees ብርችት ደሚቑ።
ኣብ ሞስኮ ኣርተፊሻል በረድ ብምንዛሕን ሓዱሽ ዓመት ተቀቢሎሞ።
ኣብ ዱባይ ን10 ደቓይቕ ዝተተኮሰ ርችት ንተመልከቲ ዘሐጎሰ ነይሩ።ኣብ ጃፓን ኣብ ናይ ቡዲስት ቤተ መቅደስ ብደወል ፣ኣብ ሲድኒ ሃርቦር ድማ ብርችት ከምዝደመቐ ተሓቢሩ’ሎ።ኣብ ካልኦት ክፋላት ኣውስትራሊያ ግን ብሰንኪ ባርዕ ሓዊ ዘስዓበ ደረቕ ኩነታት ኣየር ምትኳስ ሪችት ተሰሪዙ’ሎ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤት ክርስቲያን ፍራንሲስ ናይ ሰላም መልእኽቶም ንምስማዕ ኣብ ኣደባባይ ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝተኣከቡ ኣሽሓት ሰባት ኣብ ዘስምዕዎ ቃለ ቡራኬ ኣብዚ ሓድሽ ዓመት ንዓለም ሰላም ተመኒዮም።
ኣብዚ “መዓልቲ ሰላም ዓለም’’ ተባሂሉ ብኣቡነ ፓውሎስ ሻድሻይ ዝተኣወጀ ዕለት ኣቡነ ፍራንሲስ ኣብዘሕለፉዎ መልእኽቲ 2020 “ሰላም መንገዲ ተስፋ እዩ፤ብልዝብ፣ብዕርቅን ናይ ባህሪ ለውጥን ምስጓም እዩ ዝመጽእ’’ ኢሎም።
ዑደት ዓለምና ኣብ ዙሪያ ፀሓይ ሎሚ ክጅምር ትፅቢት ኣይግበርን፥ሰብኣውነት እውን ዝነበረን ዝቕፅልን እዩ፤ኩሉ ግዜ ዝገርምን ክምስገንን ዘለዎ ተኣምር እዩ እዮም ኢሎም።
ኣብዚ ስልጡን መዋእል ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝወርድ በደል ዘይቅቡልን ንደቂ ኣንስቲዮ ምብዳል እውን ንኣምላክ ምርካስ እዩ ኢሎም።ኣብ ልዕሊ ሰውነት ደቂ ኣንስቲዮ ዝፍፀም ምዝመዛ ከብቅዕ ብምፅዋዕ ነብሰን “ክኽበር’’ ኣለዎ ኢሎም።ደቂ ኣንስትዮ ምንጭታት ህይወት እናሃለዋ ብቀፃልነት ክግሃሳ፣ክቕጥቀጣ፣ክዕመፃ፣ብሓይሊ ኣብ ኣመንዝራነት ክዋፈራ’’ ይግደዳ እየን ኢሎም።
ሊቃነ ጳጳስ ፍራንሲስ ብምውሳኽደረጃ ሰብኣውነትና ዝልካዕ ንናይ ደቂ ኣንስትዮ ነብሲ ብእንሕዘሉ ኣገባብ እዩ ኢሎም ።ዓለም ብዝሓሸ ዝሓበረትን ሰላም ክትኸውን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ምውሳን ምሉእ ብምሉእ ክሳተፋ ኣለወን ኢሎም።
ሊቃነ ጳጳስ ፍራንሲስ ስደትን ኣዴታት ናብራ ውሉደን ንምምሕያሽ ዝገብርኦም ሓደገኛ ጉዕዞን እውን ተዛሪቦም ኣለው።
“ንዝሓሸ ህይወት ፍረ ማህፀነን ክብላ ሓደገኛ ጉዕዞ ዝገብራ ኣዴታት ኣለዋ።እዘን ኣዴታት እዚአን ከብዶም ብገንዘብ ልቦም ግን ብባዶ ፍቕሪ ብዝተምልኡ ሰባት ዋጋ ከምዘይብለን ተገይረን ይርአያ’’ ኢሎም ።