ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምድንጓይ ህንጸት ናይ ህዳሴ ግድብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ሜተክ’ዩ ክብሉ ሰበ ስልጣን’ቲ ግድብ ሓቢሮም


ህንጸት’ቲ 4 ቢልዮን ዶላር ወጻኢ ዝተገብረሉ ናይ ህዳሴ ግድብ ኢትዮጵያ ብሓሙሽተ ዓመት ዝተዳናጎየ ነቲ ሕማቕ ስራሕ ኣብ ምትዕርራይን ንምትካእን’ዩ ክብሉ ሓደ ካብ ኣብቲ ፕሮጀክት ዝሰርሑ ዘለው ሰበ ስልጣን ንኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ።

ኣብ ኣፍሪቃ ዝዓበየ መመንጨዊ ጸዓት ኽከውን ተስፋ ዝተገብረሉ ፕሮጀክት ኣብ 2011 ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ ዝተፈላለዩ ዕንቅፋታት ይገጥሞ ኣሎ።

ግብጺ ህንጸት’ቲ ግድብ ንህላወ ምንጪ ጽሩይ ዝስተ ማይ ዝኾነ ፈለግ ኒል ዝጸልው’ዩ ክትብል ከላ ንህንጸt’ቲ ግድብ ሓላፍነት ዘዋህቦ ትካል ሜቴክ ድማ ብሰንኪ ብልሽውና ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ጀሚሩ ካብቲ ፕሮጀክት ምውጽኡ ተገሊጹ’ሎ።

ምክትል ሓላፊ’ቲ ፕሮጀክት ኣቶ በላቸው ካሳ ኣብዚ ሕጂ እዋን መሃንዲሳት ነቲ ብሜቴክ ዝተሰርሐ ገለ ስርሓት ኣብ ምትዕርራይን ምትካእን ከምዝርከቡ ሓቢሮም ኣለው።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ብኢጣልያ፡ፈረንሳ፡ቻይና ዝውነና ናይ ህንጻ ትካላት ኣብዚ ስራሕ ተዋፊረን ከምዘለው’ውን ተፈሊጡ’ሎ።

ብመሰረት ፈላማይ ውጥን ህንጸት እቲ ግድብ ቅድሚ ሓደ ዓመት ንምዝዛም’ዩ ኔሩ።

XS
SM
MD
LG