ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

‘ምድማር’ ዘርእስቱ መጽሓፍ ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዝተፈላለየ ከተማታት ኢትዮጵያ ተመሪቑ


ኢትዮጵያ ካብ ሰውራዊ ዴሞክራሲ ትወፅእ ከምዘላ ዝገልፅ ብቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ዝተጻሕፈ ‘ምድማር’ ዘርእስቱ መጽሓፍ ብቕድሚ ትማሊ ቀዳም ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኢትዮጵያ ተመሪቑ’ሎ።

እቲ መፅሓፍ ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ክግለፅ ዝጸንሐ ናይ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድን ናይ መንግስቶምን ቀፃሊ ኣንፈት ወግዓዊ ጌሩ’ሎ። ‘ምድማር’ ብዝብል ኣርእስቲ ዝተጻሕፈ መጽሓፍ ኣብ ከተማታት ኣዲስ ኣበባ፣ሃረር፣ኣዳማ፣ሃዋሳ፣ባህርዳርን ካልኦትን ከተማታት ተመሪቑ’ሎ ።

ኢትዮጵያ ኣብ መጻኢ ንትኽተሎ ናይ ቁጠባ፣ፖለቲካ፣ናይ ወፃኢ ርክባትን ኣንፈት ዝትንትን መንገዲ ዝሕብርን እዩ።ኣብ እዋን ስልጣን ዘመን ኢህወዴግ ኢትዮጵያ ትኽተሎ ዝነበረ ወያናይ ዴሞክራሲያዊ መስመር ከምዝተርፍ ተሓቢሩ’ሎ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሚሊኒየን ኣዳራሽ ኣብ ዝተዳለወ ስነርስዓት ምረቓ ናይቲ መፅሓፍ መደረ ዘስምዑ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ሰውራዊ ዴሞክራሲ እዋኑ ዝሓለፎን ነዚ ዘመን ዘይምጥን እዩ ኢሎምዎ።

“ሎሚ ንሰሓሐበሉ ዘለና ሰውራዊ ዴሞክራሲ ሌኒን ቅድሚ ሓደ ሚእትን ሓደን ዓመት ኣብ 1917 ዝፈጥሮ እዩ።ሌኒን ሰውራዊ ዴሞክራሲ ክፈጥር ከሎ፣ማርክስ ሶሻሊዝም ክምህዝ ዝኽእል ካፒታሊዝም ምስወደቐ እዩ ዝበሎ ኣረዳድኣ ስለዝነበረ፣ ሽዑ ድማ ኣብ ሩሲያ ስርዓት ካፒታሊዝም ስለዘይነበረ፣ካፒታሊስዝም ከይረኣና ብኣቋረጭ ሶሻሊዝም ዝህነፀሉ መንገዲ ሰውራዊ ዴሞክራሲ እዩ ኢሉ።ንሕና ድማ ስርዓት ካፒታሊዝም ዝህነፀሉ መንገዲ ሰውራዊ ዴሞክራሲ እዩ ኢልና።”

ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ መደርኦም ብምቕፃል ክልቲኦም ሓሳባት ነንባዕሎም ዝራፀሙ ጥራሕ ዘይኮነስ ሌኒን ሽዑ ኮምፒተር ኣይፈልጥን፣ሌኒን ዘይፈልጦም ሎሚ ዓለም ዝፈጠሮ ብዙሕ ነገር ኣሎ ኢሎም።እዚ ህልው ኩነታት ኣብ ግምት ዘእተወ ሓዱሽ ሓሳብ ምፍጣር ንኩሎም ወለዶታት ዝውሃብ እምበር ኣብ ሓደ እዋን ዝተፈጠረ ሓሳብ ንዘለኣለም ክትስዕቦ ግቡእ ኣይኮነን “ምድማር’’ ድማ ነዚ ይኣምን ኢሎም።”

ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ “ምድማር’’ ሃገር በቀል ኣተሓሳስባ እዩ እውን ኢሎም።

“ብዙሓት ኣብ ውሽጢ እቲ መፅሓፍ ዘለው ሓሳባት ብምርኣይ ‘ምድማር’ ከመይ ገይሩ እዩ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝቦቐለ ክብሃል ዝኽእል ዝብል ሕቶ ከልዕሉ ይኽእሉ።ምድማር ሃገር ቦቀል እዩ።እዚ ክብሃል ከሎ ኣብ ዝኾነ ይኹን ሃገር፣ናይ ዝኾነ ይኹን ውልቀ ሰብ፣ሓንቲ ሃገር ካብ ዝኣተወቶ ላዕልን ታሕትን ብፖለቲካን ኢኮኖሚን መሰጋገሪ ክኸውን እዩ ዝብል ክሳብ ሎሚ ዝቐረበ ምሉእ ሓሳብ የለን።”

መደረ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ህውሓት ኣብ ቀረባ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ንዝበሎም እውን ዝመለሱ ይመስል።ህውሓት ውህደት ፓርቲ ንምፍፃም እናተኻየደ ዝርከብ ናይ ምህፃፅ ምንቅስቓስ እዩ፤እዚ ነቲ ግንባር ዘፍርስን ንሃገር ዝብትንን እዩ ንዝበሎ መግለፂ ህውሓት መልሲ ዝመስል መደረ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ትርር ዝበለን ካብቲ ልሙድ ዝተፈለየን ነይሩ።

“እቲ ዘሕዝን ‘ምድማር’ ፍልስፍና እንተኾይኑን እቲ ፓርቲ እንተድኣ ተዋሂዱን ናብ ህልቂት ክንኣትው ኢና ዝብል ምህላው እዩ።ህልቂት ኣብዚ እንታይ ኣምፅኦ?ሓደ ፓርቲ ምዃንን ምድማርን ዘየዋፅእ እንተድኣ ኮይኑ ጅግና ዝኾነ ሰብ ነቲ ይሰትዮ ዘሎ ውስኪ ኣቐሚጡ ምርባሕ ዝብል ሓሳብ ሒዙ ይመፅእ።ሽዑ ህዝቢ ኢትዮጵያ ንኽልቲኦም አማረፂታት ርእዮም ዝደልዩዎ ይሓሪዩ!! እንታይ ዘቃትል ኣለና!! ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘመን?ኣነ ዝበልኩዋ እንተዘይኮይና እቲ መማረፂ ምቅትታል እዩ ዝብል ናይ መበል 19 ክፍለዘመን ናይ ማርክን ሌኒን እምነት እዩ።ምድማር በዚ ኣይኣምንን።”

ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ኣብ መደረኦም ይስምዑ ዘለው ናይ ተቓውሞ ድምፅታት ንህዝቢ ካብ ምሕላይ ዝልዓሉ ኣይኮኑ እውን ኢሎም ።

“ምድማር ስርቂ ቀይሕ መስመር እዩ ዝበለሉ ምኽንያት ብሽምካ፣ብኣኮ፣ብሓትኖ፣ብገለ መለ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ህንጻ እናሃነፅካ ኣብ ዱባይ፣፣ኣውሮጳ፣ኣብ ኣሜሪካ ህንጻታት እናሃነፅካ፣50 ሚሊዮን መፅለሊ ቤት ኣልቦ ህዝቢ ኣብ ዘለዎ ሃገር፣ንስኻ ብሽም 10 ሰባት ህንጻታት ደርዲርካ ብዛዕባኻ እየ ዝሓስብ ክትብል ላግጺ እዩ።ብሓሙሽተ ሽሕ ደመወዝ ሙሉእ ዓመት ኣብ ሆቴል እናነበርካን እናተቐለብካን እቲ ምንጪ ኣምላኽ ይፍለጦ፣ ባኒ ንዝስኣነ ህዝቢ ንዓኻ እየ ደው ኢለ ክትብል ፅውፅዋይ እዩ።”

መፅሓፍ ምድማር ኣብ ከተማታት ድሬዳዋ፣ሃረርን ጂግጂጋን እውን ተመሪቑ’ሎ።ብፍላይ ኣብ ከተማ ሃረር ሓላፊ ፕረስ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ዝኾኑ ኣቶ ንጉሱ ጥላሁንን ናይቲ ክልል ፕሬዝዳንት ኣቶ ሙስጠፌ መሓመድን ኣብዝተረኸብሉ እቲ መፅሓፍ ተመሪቑ’ሎ።

ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ዋና ከተማ ሃዋሳ ኣብ ዝተኻየደ ስነስርዓት ሚንስትር ሰላም ወ/ሮ ሙፈሪያት ካሚል ተዓዋቲ ሽልማት ሰላም ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ናይ መፅሓፎም ምምራቕ ድርብ ዓወቱ እዩ ኢለን።

ኣብ ከተማ ባህርዳር ኣብዝተኻየደ ስነስርዓት ምረቓ መደረ ዘስምዑ ዋና ኣማሓዳሪ ክልል ኣምሓራ ኣቶ ተመስገን ጥሩነህ ኣብ ውሽጥና ዘለው ኣፈላላያት ብምፅባብ ህዝቢ ዝደልዮ ንምምፃእ ናይ ምድማር ፍልስፍና ካብ ክልልና ክንጅምር ኣለና ኢሎም።

“ንኻልኦት ኢትዮጵያዊያን ኣብነት ክንኸውን እንተድኣ ኮይንና ኣብ ውሽጥና ዘለው ፖለቲካዊ ፍሕፍሓት ብምፅባብን ሓደ ኮይንና ብምስራሕን ህዝቢ ኣምሓራ ዝደልዮ ንምምፃእ ኩሉ ፃዕሪ ክንገብር ኢና።ናይ ምድማር ፍልስፍና ካብ ክልልና ክንጅምር ኣለና።”

ኣቶ ተመስገን ጥሩነህ ወሲኾም እዚ ድማ ኣብ ቀረባ እዋን ክነዕውቶ ኢና ዝብል ተስፋ ኣለኒ ኢሎም።

እቲ መፅሓፍ ብቋንቋታት ኣምሓርኛ፣ኦሮምኛን ብኢንግሊዝኛን እዩ ተሓቲሙ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG