ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምድላዋት ስነ ስርዓት ቃለ መሓላ ተመራጺ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን


ጽባሕ ጥሪ 20,2021 ተመራጺ ፕረዚደንት ጆ ባይደን መበል 46 ፕረዚደንት ኣሜሪካ ብምዃን ቃለ መሓላ ክፍጽሙ'ዮም።ኣብ መጀመሪያ ወርሒ ጥሪ ደገፍቲ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ህንጻ ባይቶ ኣሜሪካ ሓያል መጥቓዕቲ ድሕሪ ምፍፃሞም ኣሜሪካዊያን ሕማቕ ፍጻመ ከየጋጥም ግን ንሓድነቶም ክፀንዕ ተስፋ ብምግባር ብንቕሓት ይከታተሉዎ ኣለው።

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣርባዕተ ዓመት ዝካየድ ስነ-ስርዓት ቃለ መሓላ ሓድሽ ተመራጺ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ሎሚ ዓመት ብፍልይ ዝበለ ብልዑል ቁፅሪ ወተሃደራትን ፅኑዕ ሓለዋ ደሕንነትን'ዩ ዝካየድ ዘሎ ።

ብኻልእ ወገን ድማ እዋን ስልጣኖም ዝውድኡ ዘለዉ ፕረዚደንት ትራምፕ ንኻልኣይ ግዘ ብሕጊ ክሕተቱ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ወሲኑ እዩ ።

መሪሕ ቃል ስነ ስርዓት ቃለ መሓላ ጆ ባይደን "ኣሜሪካ ዩናይትድ " ወይ "ኣሜሪካ ብሕብረት" ዝብል ኣሜሪካውያን ክሓብሩ ዝፅውዕ'ዩ ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ።

ምድላዋት ስነ ስርዓት ቃለ መሓላ ተመራጺ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:53 0:00


XS
SM
MD
LG