ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምዝገባ መረፅቲ ህዝበ ውሳነ ሲዳማ ተዛዚሙ


ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ምዝገባ መረፅቲ ህዝበ ውሳነ ሲዳማ ብሰላማዊ ምዝዛሙ ገሊጹ::እቲ ትካል ወሲኹ ኣስታት 2.3 ሚሊዮን መረፅቲ ከምዝተመዝገቡ ተሓቢሩ’ሎ::

ኣካቢት ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ወ/ሪት ብርቱካን ሚደቅሳ ሎሚ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብኦ መግለጺ ምዝገባ መረፅቲ ብሰላማዊ መንገዲ ከምዝተዛዘመን ነቲ ከይዲ ድማ ሰራዊት ምክልኻል: ፌደራል ፖሊስን ሓይልታት ፀጥታ እቲ ክልል ልዑል ግደ ምምርካብቶም ሓቢረን::

ወይዘሪት ብርቱካን ካብ 27 ጥቅምቲ ክሳብ 6 ሕዳር 2012 ዓ.ም ዝተኻየደ ምዝገባ መረፅቲ ኣስታት 2.3 ሚሊዮን መረፅቲ ተመዝጊቦም ኢለን:: እቲ ቦርድ ምርጫ ኣብ ከይዲ እቲ ምዝገባን ካልኦት ስራሓት ህዝበ ውሳነ ህዝቢ ሲዳማ ጥርዓን ምስ ዝነበሮም ኣካላትን ምስቲ ቦርድ ዘተ ምስ ዝደልዩን ከምዝተመያየጡ ገሊፀን። ኣብ ጉዳይ ምምሕዳር ዶባት ዝምልከት ቅድሚ ሐጂ ጎንፂ ኣብ ዝነበሮም ኣብ ወንዶገነትን ባሌላ ዝተባህሉ ከባቢታት ተፈጢሩ ዝነበረ ዘይምርድዳእ ምስ ተዋሰንቲ ወረዳታት ክልል ኦሮምያን ዞባ ሲዳማን ከምዝተዘተየ ተዛሪበን::

እተን ኣካቢት ቦርድ ከምዝገለፅኦ ካብ ምርጫ ጣብያ ከባቢ 200 ሜትሮ ርሒቖም ክንቀሳቐሱ ዝፍቀደሎም ኣካላት ኣመራርሓ መንግስቲ: ሽማግለ ዓድን ኣባላት ፖሊስን ኣብ ጣብያታት ምርጫ ተራእዮም ምንባሮም እዚ ድማ ክእረም ገይርና ኢና ክብላ ተዛሪበን:: ኣብ ጣብያታት ምርጫ ክርከቡ ዝፍቀደሎም ወከልቲ ክልቲአን ምልክታት: ኣፈፀምቲ : ምርጫ ተዓዘብትን ጋዜጠኛታት ጥራሕ ምኳኖም ገሊፀን::

እተን ኣካቢት ቦርድ ምርጫ ወሲኸን ካርድ ምርጫ ናብ ገዝኡ ዝወሰደ ኣፈፃሚ ምርጫ ካብ ስራሕ ከምዝተሰናበተን ካልእ ድማ መዝገብ መረፅቲ ክሓብእ ዝፈተነ ፈፃሚ ምርጫን ብተወሳኺ እውን ስራሕ ተዓዘብቲ ዝረበሸን ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ብምእታው ምርመራ ይካየደሎም ኣሎ ኢለን:: እቲ ቦርድ ልዑል ተመዝገብቲ ዝተርኣየሎም ከባቢታት ብምፍላይ ኣብ መዓልቲ ምርጫ 175 ሓደሽቲ ጣቢያታት ከጣይሽ እዩ ክብላ ገሊፀን::

ፅባሕ እቲ ህዝበ ውሳነ ኣብ ዝካየደሉ እዋን መንግስታዊ ኣብያተ ዕዮን ውልቀ ትካላትን ዕጽው ክኾኑ እዮም ተባሂሉ:: ንመረፃ ዘድልዮ ናውቲ ካብ ኣዲስ ኣበባ ብሰራዊት ምክልኻል ተዓጂቡ ትማሊ ናብ ሲዳማ ምጉዕዓዝ ከምዝጀመረ’ውን ወይዘሪት ብርቱካን ሚዴቅሳ ገሊፀን::

ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ምዝገባ መረፅቲ ህዝበ ውሳነ ሲዳማ ተዛዚሙ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:12 0:00


XS
SM
MD
LG