ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምዝገባ ህዝበ ውሳነ ሲዳማ ምጅማሩ ተገሊጹ


ሓላፊት ኮሚሽን ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ወ/ሪት ብርቱኳን ሚደቅሳ
ሓላፊት ኮሚሽን ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ወ/ሪት ብርቱኳን ሚደቅሳ

ምዝገባ ህዝበ ውሳነ ሲዳማ ኣብ ኩሎም ናይ ምርጫ ጣቢያታት ምጅማሩ ሓላፊት ኮሚሽን ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ወ/ሪት ብርቱኳን ሚደቅሳ ኣፍሊጠን።እቲ ምዝገባ ብፅቡቕ መንፈስ ይካይድ ከምዘሎ እውን ሓቢረን።

ናይ ምርጫ ካርዶም ዝወሰዱ ወሃብቲ ድምጺ ዲሞክራሲያዊን ሕገ መንግስታዊን መሰሎም ንምፍፃም ድልዋት ኢና ኢሎም ኣለው።

ንናይ ውሽጥን ወፃኢ ሃገር መሓውራት ዜና መግለፂ ዝሃባ ሓላፊት ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ወ/ሪት ብርቱኳን ሚደቅሳ ኩሉ ናውቲ መሳለጥያታት ምርጫን ከባቢ 6,000 ኣፈፅምቲ ኣካላትን ናብ ኩሎም ናይ ምርጫ ጣቢያታት(ኑቑጣታት) ተዋፊሮም ምዝገባ ምጅማሮም ሓቢረን።

“ዘተሓባብሩ ኣዋፊርና ኣለና።15 ኣተሓባበርቲ ማእኸላት ኣለውና።ነፍሲ ወከፍ ማእከል ካብ ክልተ ክሳብ ሰለስተ ወረዳታት ዝሓቖፈ እዩ።”

እቲ ህዝበ ውሳነ ሰላማዊ ክኸውን እኹል ስራሕ ከምዝተሰርሐ ዝገለፃ ወ/ሪት ብርቱዃን ብዛዕባ ገለልተኛነት ኣፈፀምቲ፣ኣብ እዋን ምርጫ ዝኽልከል ነገራትን ከምዚ ኢለን።

“ኣብ ጣቢያታት ምርጫ ናይ ሕጊ ኣፈፀምቲ ወይም ዕጡቓት ሰባት ክኣትው ከምዘይብሎም ኣፈፀምቲ ይፈልጡ እዮም።ኣብ እዋን ምዝገባ ይኹን ምሃብ ድምፂ ዝተዓጠቐ ኣፈፃሚ ሓይሊ በቲ ሓዱሽ ሕጊ ብ200 ሜትሮ ክርሕቕ ኣለዎ።ቀደም 500 ሜትሮ ነይሩ።”

እቲ ወፍሪ ምርጫ ኣሎ ተባሂሉ ብዘየድፍር ኩነታት ክልቲኦም ወገናት ንምክርኻር ይኹን ንጓስጓስ ዝቐረበ ኣካል የለን እውን ኢለን።

ብኻልእ ወገን ተመዝጊቦም ካርዲ ዝወሰዱ ኣድመፅቲ ኣብዝሃብዎ ርእይቶ 10 ሕዳር 2012 ዓ/ም ኣብ ዝካየድ ምርጫ ንምስታፍ ከምዝተዳለው ሓቢሮም ኣለው።

እቲ ምዝገባ ክሳብ 6 ሕዳር 2012 ዓ.ም ዝፀንሕ ኮይኑ 10 ሕዳር 2012 ዓ.ም ድምጺ ምሃብ ክጅመር ትፅቢት ይግበር።

XS
SM
MD
LG