ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምዝዛም ምብጻሕ ናይ ሓሙሽተ መዓልታት ሒጃን ዒድ ኣድሓን ተኸቢሩ


አከባብራ ዒድ ኣል ኣድሓ ኣብ አዲስ አበባን ኣስመራ
አከባብራ ዒድ ኣል ኣድሓ ኣብ አዲስ አበባን ኣስመራ

ኣብ ዓመታዊ ምብጻሕ ሒጃ ዝተሳተፉ ኣመንቲ እስልምና ሓጥያት ንምርሓቕ ብዝብል ንሰይጣን ኣብ ልዕሊ ዝውክሉ ሰለስተ ዓንድታት ትማሊ ሰንበት ኣእማን ደርቢዮም።መበል 1440 በዓል ኣል-ኣድሓ ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ሓዊሱ ኣብ ዙሪያ ዓለም ትማሊ ሰንበት ተኸቢሩ።

ልዕሊ ክልተ ሚሊዮን ኣመንቲ እስልምና ንሓሙሽተ መዓልትታ ኣብዝተኻየደ ሃይማኖታዊ ምብጻሕ ሒጃ ኣብ መካ ስዑዲ ዓረብ ተሳቲፎም ኣለው።

ሪያድ ኣብ ሕሉፍ ዓመታት ዝነበረ፡ ንኣብነት ኣብ 2015 ኣ/ፈ ኣስታት 2,300 ኣመንቲ ብፅቅቅጥ ዝተቐትልሉ ተመሳሳሊ ሓደጋ ከየጋጥም ንኣመንቲ ዝሕግዙ ዓሰርተታት ኣሽሓት ሰባት መዲባ’ላ።

ነቲ ስነስርዓት ዝመርሕ ሚንስትር መሓመድ ሳላሕ ቢንታን ንጋዜጠኛታት ኣብዝሃብዎ ቃል መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ ኣመንቲ ዝጥቀሙሎም መሰረተ ልምዓታት ንምምሕያሽ ብዙሕ ገንዘብ ከምዝመደበ ገሊፆም።

“ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣመንቲ ካብ ሓደ ቦታ ናብቲ ካልእ ዘመላልስ መጎዓዚያ ባቡር ንምህናፅ ብዙሕ ገንዘብ መዲቡ ንመጻኢ እውን 26 ሚሊዮን ዶላር ንምምዳብ መንግስቲ ትልሚ ኣውፂኡ’ሎ” ኢሎም።

ምብጻሕ ሒጃ ኩሉ ኣማኒ እስልምና ጥዕንኦም ሕሉው ክሳብ ዝኾነን ክጉዓዙ ክሳብ ዝኽኣሉን እንተወሓደ ኣብ ህይወቶም ሓደ ግዜ ክፍፅሙዎ ዘለዎም ካብ ሓሙሽተ ዓንድታት እስላም ሓደ እዩ።

ብዝተሳሰረ ዜና ምብቃዕ ናይ ሓሙሽተ መዓልታት ሒጃ ምስ በዓል ዒድ ኣል-ኣድሓ ብምግጣሙ ኣመንቲ ኣብ ዙሪያ ዓለም ነቲ በዓል ትማሊ ሰንበት ኣኽቢሮምዎ ኣለው።በዓል ኣል-ኣድሓ ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ከምዝተኸበረ ካብ መርበብ ሓበሬታታት ፋና ብሮድ ካስቲንግን ሻባይትን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ገሊፆም።

ብፍላይ ድማ ኣዲስ ኣበባ ኣብዝርከብ ስታዲዮምን ኣስመራ ኣብ ዝርከብ ኣደባባይ ባሕቲ መስከረምን ኣመንቲ፣መራሕቲ እስልምናን ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስትን ኣብ ዝተረኸብሉ ብድምቀት ከምዝተኸብረ ተፈሊጡ’ሎ።

XS
SM
MD
LG