ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምዝሕታል ኢንዳስትሪ ቴክኖሎጂ ብዙሓት ሰራሕተኛታት ካብ ስራሕ ክወጹ የገድድ


ምዝሕታል ኢንዳስትሪ ቴክኖሎጂ ብዙሓት ሰራሕተኛታት ካብ ስራሕ ክወጹ የገድድ
please wait

No media source currently available

0:00 0:05:25 0:00

ምዝሕታል ኢንዳስትሪ ቴክኖሎጂ ብዙሓት ሰራሕተኛታት ካብ ስራሕ ክወጹ የገድድ

ምዝሕታል ኢንዱስትሪ ቴክኖሎጂ ኣመሪካ ንኣሸሓት ሰራሕተኛታት ሲሊከን ቫሊ ካብ ስራሕ ክወጹ ምግዳዱ ቀጺሉ`ሎ። እዚ ድማ ኣደ ትካል ፈይስቡክ ዝኾነ ሜታ ፕላትፎርምስ ን13% ማለት 11 ሺሕ ዝኾኑ ሰራሕተኛታቱ ከወግድ ምዃኑ ድሕሪ ምፍላጡ ነቲ ጸገም ዝያዳ ኣጉሊሕዎ`ሎ።

እዚ ምጉዳል ሰራሕተኛታት ዝስማዕ ዘሎ ካልኦት ተመሳሰልቲ ትካላት ንዝወሰድኦ ናይ ምብራር ስጉምቲ ተኸቲሉ`ዩ። ትዊተር'ውን ብፍላይ ድሕሪ ብመሰራቲ ተስላ ኤለን ማስክ ምውናኑ ብዙሓት ስራሕተኛታት ኣባሪሩ`ዩ፡ ከምኡ`ውን ሰይልስ፡ፎርስ ከምኡ`ውን ስናፕ ዝብሃሉ ዓበይቲ ትካላት ቴክኖሎጂ ብተመሳሳሊ ሰራሕተኛታት ኣባሪሮም።

ከም ኣፕል ፡ኣማዞን ከምኡ`ውን ጉግል ዝበሉ`ውን ምቑጻር ሓደሽቲ ሰራሕተኛታት ጠጠው ከምዘብሉ ኣፍሊጦም ኣለዉ።

ነቲ ምጉዳል ሰራሕተኛታት ዘፍለጠ መሰራቲ ፈይስቡክን ፈጻሚ ስራሕ ሜታ ዝኾነ ማርክ ዙከርበርግ፡ምስ ለበዳ ኮቪድ19 ብዝተኣሳሰር ኣብ ዕብየት`ቲ ኣታዊታት ኩባንያኡ ጌጋ ግምታት ከምዝሃበ ተኣሚኑ`ሎ።

ማርክ ዙከርበርግ “ነቶም ዝተተገብሩ ውሳነታትን ብኸመይ ኣብዚ ክንበጽሕ ከምዝኽኣልናን ሓላፍነት ዝወስድ ባዕለይ`የ፡ እዚ ንኹልና ከቢድ ምዃኑ እፈልጥ`የ ብፍላይ ድማ ነቶም በቲ ውሳነ ዝተተንከፉ ይቕረታ ክብል እደሊ” ኢሉ ።

ይኹን`ምበር፡ ኩባንያ ሜታ ወጻኢታት ከጉድል ምውሳኑ ብብዙሓት ኣውፈርቲ ተመጉሱ`ሎ፡ እቲ ካምፓኒ ናብቲ ቀንዲ ህላዌኡ ኣድህቦ ክገብር`ውን ይጽውዑ`ለዉ።

ብራድ ገርስትነር መስራቲ ኣልቲመተር ካፒታል ዝተባህለ ኣውፋሪ ትካል ነቲ ዙከርበርግ ዝገበሮ ስምዕታ ብሓጎስ ተቐቢሉዎ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ፈጠራታት ዝዕወት ካፓኒታት ጥዑያትን ኣብ ጽቡቕ ቁመናን ክኾና ከለዋን`የን ኢሉ። እቲ ዝጸንሐ ኣተሓሳስባ ድማ ካብ ሓደገኛ ዝኾነ ዝቕባበ ገንዘብ ምውጻእ ዝብል ነቲ ዝቕጽል ወለዶ ዝገልጾ ክኸውን`ዩ ኢሉ።

ኣክሲዮን ማለት ብርኪ ሜታ ሼር ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሕዳር ካብ ዝነበረ 345 ዶላር ናብ 89 ዶላር ኣንቆልቁሉ`ዩ። ሕጂ ድሕሪ`ቲ እወጃ ምጉዳል ወጻኢታት፡ መታ ሼር ናብ 96 ወይ ናብ 100 ክብ ክብል ክኢሉ`ሎ።

እቶም ካብ ሜታ ወጽዮም ኣብ ካልእ ናይ ተክ ስራሕ ክቑጸሩ ዝደልዩ`ውን በዳሂ ሃዋህው`ዩ ክጸንሖም።፡ምኽንያቱ ከምኣቶም ካብ ስራሕ ዝወጹ ኣሸሓት ብጾቶም ስለዘለዉ።

ትዊተር ኣብቲ ካብ ስራሕ ናይ ምብራር መግለጺኡ፡ መብዛሕቲኦም ኣብ ኣመሪካ ዝኾኑ 3700 ሰራሐተኛት ከምዘባርር ኣፍሊጡ`ዩ። እቲ ካምፓኒ ንገለ ካብቶም ሰራሕተኛታ ክምለሱ ሓቲቱ`ኳ እንተነበረ መብዛሕቲኦም ግን ምስቲ ካምፓኒ ተፋቲሖም ቀጺሎም ኣለዉ።

ኣብ ሳን ፍራንሲስኮ ዝመደበሩ ሰይልስ፡ፎርስ ብወገኑ2550 ሰራሕተኛታት፡ ከምኡ ድማ ኣፍራይ ዝዓበየ ሶፍትዌር ዝኾነ ማይክሮሶፍት 1000 ሰራሕተኛታት ምስጓጉ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ኣፍሊጦም`ዮም።

ካልኦት ብርክት ዝበላ ትካላት ተክኖሎጂ`ውን ከምኡ ወይ ነኪየን ወይ ምቑጻር ደው ኣቢለን ኣለዋ።

እንተኾነ ከም ደሞክራቲክ ኣባል ኮንግረስ ሮ ካና ዝበሉ ንስሊከን ቫሊ ወኪሎም ዝተወዳደሩ ሰባት እቲ ኤኮኖሚ ክምለስ`ዩ ዝብል ተስፋ ኣለዎም።

እቲ ዞባ ሲሊከን ቫሊ ብድምር $10 ትሪልየን ዝውንና ትካላት ዘለውኦ`ዩ ስለዚ ሽሕ`ኳ ብሰፊሕ ሕውየት ኣይኹን`ምበር እቲ ዕዳጋስ ነቲጉ ናይ ምምላስ ተኽእሎ ኣለዎ ይብል።ኮንግረስማን ሮ ካና "ኤኮኖሚ ኣመሪካ ብሓፈሽኡ ምዝሕታሉ ንሕና ኣብዚ ሲሊከን ቫሊ ዘለና ቀንዲ ኣንፈንቲ ኢና ግን እዘን ካምፓንታት ኣዝየን ዘይጽዓዳ ስለዝኾና ክምለሳ ምዃነን ጥርጥር የብለይን" ኢሉ ።

ካልእ ጸገም ድማ ናይ ቪዛ ጉዳይ ኣሎ። እቲ ምብራር ስራሕ ብፍላይ ነቶም ኣብ ትካላት ኣመሪካ ዝሰርሑ ኢሚግራንት ጎዲእዎም`ዩ። ምኽንያቱ በቲ H-1 ዝብሃል ናይ ስራሕ ቪዛ`ዮም መጺኦም። ኣብ ኣመሪካ ዝጸንሕሉ ዕድል ድማ በቶም ዝቖጸርዎም ትካላት`ዩ ዝውሰን። ሕጂ ንሳቶም ኣብ ውሽጢ 60 መዓልታት ስራሕ እንተዘይተቖጺሮም፡ ካብዛ ሃገር ክወጹ ይግደዱ።

ብመሰረት ኣገልግሎት ኢሚግረሽንን ዜግነት ኣመሪካ፡ ኣብዛ ሃገር ብH-1 ቪዛ መጽዮም ካብ ዝሰርሑ ሰባት እቶም 66% ምስ ኮምፒተር ኣብ ዝተተሓሓዘ ስራሕ ዝተዋፈሩ`ዮም፡ ብድምር ድማ 256226 ምዃኖም ተመልኪቱ`ሎ።

ካብ መንጎኦም 21.7% ካብ ህንዲ፡ 13% ካብ ቻይና ክኾኑ ኸለዉ ካናዳ ድማ 1.2% ብምሓዝ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ኣላ። መስራቲ ፈይስቡክን ኣቦመንበር ኣደ ትካል ሜታን ዝኾነ ማርክ ዙከርበርግ ብወገኑ ሜታ ካምፓኒኡ፡ ክሕግዝዎም ዝኽእሉ ናይ ኢምግረሽን ክኢላታት ኣዳልዩ ከምዘሎ ሓቢርዎም ኣሎ።

ጽልጸላ ሰራሕተኛታት ኣብ ሲሊከን ቫሊ ጥራይ ዝተሓጽረ ኣይኮነን። ኣብ ከም ህንድን ካልኦትን ዝበላ ሃገራት ንዝሰርሑ`ውን ኣረኻኺብሎም ኣሎ። ትዊተር ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ሓንቲ ሃገር ጥራሕ`ዩ ቤት ጽሕፈት ዘለዎ፡ ኣብ ኣፍሪቃዊት ሃገር ጋና። ኣብኣ ዝነበሩ 20 ሰራሕተኛታት ኩሎም ክወጹ ምዃኖም ሓበረታ ተዋሂብዎም ኣሎ።

XS
SM
MD
LG