ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምዕጻው ኣገልግሎት ኢንተርነት ኢትዮጵያ ነታ ሃገር ናይ 4 ሚልዮን ዶላር ኣታዊ ከምዘስኣና ተገሊጹ


ኣብ ኢትዮጵያ ንዝሓለፈ ክልተ ሰሙናት ዝተዓጽወ ኢንተርነት ነታ ሃገር ልዕሊ 4 ሚልዮን ዶላር ኣታዊ ከም ዘስኣና ኣብ ዓለም ዝርግሐ ኢንተርነትን ድሕነት ሳይበርን ዝከታተል ` ኔት ብሎክስ` ዝተባህለ ዘይ-መንግስታዊ ትካል ኣፍሊጡ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ኣገልግሎት ኢንተርነት ዘቋረጾ ድሕሪ ቅትለት ሃጫሉ ዝሰዓበ ሁከትን ረብሻን ንኸይጋደድን ህይወት ሰባት ንምሕላውን ምዃኑ ይገልጽ።

በቲ ምዕጻው ኢንተርነት ኢትዮ-ቴሌኮምን ትካላት ንግድን ፋይናንስን`የን ዝያዳ ከሲረን-። ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረቦም ብኢንተርነት ተጠቒሞም ኣገልግሎት ዝህቡ `ዛይ ራይድ` ከምኡ`ውን `ደሊቨር ኣዲስ` ዝብሃሉ ክልተ ናይ ንግዲ ትካላት፥ ኣብ`ዘን ዝሓለፋ ክልተ ሰሙናት ጥራሕ ካብ 50 ክሳብ 200 ሺሕ ብር ከምዝኸሰሩ ይገልጹ።

ጸገም ትራንስፖርት ኣዲስ ኣበባ ንምቅላል ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ዝተመስረተ `ዛይ ራይድ` ዘመናዊ ኣገልግሎት ታክሲ፥ ኣብ እዋን`ቲ ኢንተርነት ዝተቛረጸሉ 10 መዓልታት፥ ነቲ ክረኽቦ ተሊምዎ ዝነበረ ልዕሊ 500 ሺሕ ብር ከም ዝሰኣነ መስራቲ`ቲ ትካል ሃብታሙ ታደሰ ይገልጽ።

“ኣብ ትሕቲኡ ልዕሊ 40 ተቖጸርትን ልዕሊ 700 ዘወርትን ዘመሓድር ዛይ ራይድ፥ ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ኣቐዲሙ`ውን ዕዳጋ ዝሒልዎ ከም ዝነበረ ዝገልጽ ኣቶ ሃብታሙ፥ ንድሕነት ሃገር ኢሉ መንግስቲ ዝወሰዶ ምዕጻው ኢንተርነት ዝድግፍ`ኳ እንተኾነ፡ ኣትዓጻጽውኡ ግን ንትካላት ንግዲ ብዘይ ጎድእ መልክዕ ክግበር ይክኣል ኔሩ`ዩ።”


ብተመሳሳሊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምህርትታት መግቢ፡ ኣስቢዛ፥ ዕንባባን ካልእ ሃለኽትን ነገራት ዘቕርብ `ደሊቨር ኣዲስ` ዝተባህለ ትካል`ውን ድሕሪ ምዕጻው ኢንተርነት ልዕሊ 200 ሺሕ ብር ምስኣኑ መስራቲ`ቲ ትካል ኣቶ ፈለግ ጸጋይ ይገልጽ።

ኢንተርነት ምዕጻው ኣብታ ሃገር ዓቢይ ጸገም ምህላዉ ዘርኢ`ዩ ዝብል ኣቶ ፈለግ፥ ዝኾነ ሰብ ኣብ ሃገሩ ሰሪሑ ንምንባር ብቐዳምነት ድሕነትን ሓላዋን የድልዮ ኢሉ።

ካብ ትካላት ንግድ ወጻኢ ባንክታት ትካላት ቴክኖሎጂ ሓበሬታ፡ ትካላት ወከልቲ ጉዕዞ በቲ ምቁራጽ ኢንተርነት ካብ ዝተጎድኡ `ዮም። ብፍላይ ከኣ ባንክታት ምስ ምትሕልላፍ ሓወላ ገንዘብ ብዝተኣሳሰር ኣሉታዊ ተጽዕኖ ከም ዘሕድር `ውን ሓለፍቲ`ተን ትካላት ይገልጹ።


ዋና ኣካያዲ ስራሕ ትካል ማይክሮፋይናን ንስር ኣቶ ዳዊት ጸጋ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ ብዝኽሰት ምዕጻው ኢንተርነት ምኽንያት፡ ብዝፍጠር ምቁራጽ ርክባት፥ እታ ሃገር ኣብ መዓልቲ ክሳብ 4 ሚልየን ዶላር ዝበጽሕ ዓቢይ ኣታዊ ከምዘስእና ይገልጽ።


ብዛዕባቲ ጉዳይ ዝተሓተተ ተንታኒ ቁጠባ ኣቶ ዋሲሁን በላይ ብወገኑ፥ ኢትዮጵያ ምስ ካልኦት ሃገራት ክነጻጸር ከሎ፥ ብዲጂታል ቁጠባ ኣብ ኣዝያ ዝተሓተ ደረጃ እንተሃለወት`ኳ፥ ኣብታ ሃገር ብቐጥታ ምስ ኢንተነት ርክብ ኣብ ዘለዎም ስራሓት ዝተዋፈሩ ትካላት ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙናት ኣታዊኦም ምስኣኖም ብምግላጽ፥ ብቀንዱ ተጎዳኢ ግን ባዕሉ መንግስቲ`ዩ ይብል።


ተንታኒ ቁጠባ ዋሲሁን በላይ ኣተሓሒዙ መንግስቲ ብመንጽር ድሕነት ሃገር ዘቋረጾ ኣገልግሎት ኢንተርነት፥ ኣብታ ሃገር ዝወረደ ናይ ቁጠባ ተጽዕኖ ቀሊል እንተዘይኮነ`ኳ፡ ብመንጽር ምሕላው ህላዌ ሃገር ግን ከሲቡ`ዩ ይብል ።

XS
SM
MD
LG