ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምዕጻው ማሕበር ጋዜጠኛታት ቤላሩስ ሰፊሕ ተቓውሞ ኣስዒቡ


ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ናጽነት ፕረስን ካልእ መሰረታዊ መሰላትን ዝገብሮ ዘሎ፡ ዓፈናታት፡ መንግስቲ ቤላሩስ ንማሕበር ጋዜጠኛታት እታ ሃገር ክዕጾ መምርሒ ሂቡ ኣሎ።

ሚኒስትሪ ፍትሒ ቤላሩስ፡ ነቲ “ብተደጋጋሚ ሕግታት ጥሒሱ” ዝበሎ ማሕበር ጋዜጠኛታት ዓጽዩ ናይ ባንክ ሕሳቡ ክድስክል ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ’ታ ሃገር መምርሒ ልኢኹ። እቲ ሚኒስትሪ፡ ነቲ ማሕበር ዝተሓተቶ ናይ ውዕል ገዛ ክራይ ዝምልከት መዛግብቲ ኣየረከብን ክብል እንከሎ፡ እቲ ማሕበር ግን ቤት-ጽሕፈቱ ድሮ “ተዓሺጉ” ዝብል ምልክታ ስለ ዝተለጠፎ መዛግብቱ ክፍትሽ ዕድል’ውን ከም ዘይረኸበ ይገልጽ።

ማሕበር ጋዜጠኛታት ኤውሮጳ ነቲ ብፕረዚደንት ሉካሸንኮ ዝተወደ ስጕምቲ ኣትሪሩ ኰኒኑዎ ኣሎ። ነታ “ናጻ፡ ርትዓዊን ዘይሻራዊን ሓበሬታ እትህብ” እንኮ ማሕበር ክዓጹ ምውሳኑ ድማ ኣብ “ድብያዊ መጥቃዕቲ” ኣንጻር ፕረስ ክብል ገሊጹዎ። ካልኦት ሓያሎ ተጣበቕቲ መሰላት’ውን ነቲ ውሳነ ኣትሪሮም ኰኒኖምዎ።

XS
SM
MD
LG