ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምዕራብ ጎንደር ከባቢ መተማ ጠያይቲ ጽዒነን ናብ ሱዳን ክሰግራ ዝፈተና መካይን ተዓጊተን ጉዳየን ይምርመር ኣሎ


ኣብ ክልል ኣምሓራ ምዕራብ ጎንደር ከባቢ መተማ፡ ኣዛዚ ሰራዊት ምክልኻል ዘይፈልጦ፡ ጠያይቲ ጽዒነን ናብ ሱዳን ክሳገራ ዝፈተና “ ንብረት ሰራዊት ምክልኻል`የን” ዝተባህላ ሓሙሽተ ናይ ጽዕነት ተሽከርከርቲ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ፖሊስ ኣትየን መርመራ ይግበረለን ምህላዉ፡ ናይ ክልል ኣምሓራ ፍሉይ ሓይሊ ኣዛዚ ምዕራብ ጎንደር ብርጌድ ኣዛዚ ኮሎኔል ሰለሞን ኣሻግሬ ኣፍሊጡ።

እተን መበገሲአንን መብጺሐኤንን ኣበይ ምዃኑ ዛጊት ዘይተፈልጣ ሓሙሽተ ምስ ተሰሓብተን ተሽከርከርቲ፡ ዶብ መተማ ዮሃንስ ቅድሚ ምስጋረን፡ ብመንእሰያት`ቲ ከባቢ መንግዲ ተዓጽየን ደው ክብላ ከም ዝኸኣላ ተሓቢሩ`ሎ።

ኣብ`ቲ ኸባቢ ናይ ዝርከብ ሰራዊት ምክልኻል ኣዛዚ ብርጌድ ኮ/ሌ ሸዋገኝ ኣብጤ ፡ ዝኾነ ዶብ ዝሰግር ናይ ምክልኻል ይኹን ናይ ካልእ መኪና ምንቅስቓስ ሓበረታ ኣቐዲሙ ከምዝበጽሖም ብምግላጽ፡ ሕጂ ብዛዕባ ጠያይቲ ሒዘን ክሰግራ ዝተታሕዛ ዝተባህላ ሓሙሽተ ናይ ጽዕነት ተሽከርከርቲ ግን ዝፈልጦ ነገር ከምዘየለ ኣፍሊጡ`ሎ።

እቲ ጉዳይ ብፖሊስን ብምክልኻል፡ ከምኡ`ውን ኣብ`ቲ ኸባቢ ብዘሎ ናይ ጸጥታ ሓይሊ ይምርመር ምህላዉ`ውን ክልቲኦም ኣዘዝቲ ሓቢሮም ኣለዉ።

XS
SM
MD
LG