ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ምዕራባዊ ክፋል ክልል ትግራይ ናጻ ወጺኡ'ሎ'ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ


ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ምዕራብ ክልል ትግራይ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ክልል ከም ዝተዓወተ ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ኣፍሊጡ።

ብመሰረት ጸብጻብ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ኣብቲ ንቀርኒ ኣፍሪቃ ከይህውኽ ተሰጊኡ ዘሎ ኩናት፡ ሓይልታት ክልል ትግራይ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ጭፍጨፋ ብምፍጻም`ውን ከሲስዎም ኣሎ።

ምዕራባዊ ክፋል ክልል ትግራይ ናጻ ወጺኡ'ሎ ዝበለ ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ፥ እቲ ሰራዊት ሰብኣዊ ኣገልግሎት'ውን ይህብ ኣሎ ኢሉ።

ሰራዊት ኢትዮጵያ ንሽራሮ ክቆጻጸር ከሎ፥ ኢዶምን እግሮምን ተኣሲሮም ዝተረሸኑ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ከምዝረኸቡ'ውን ገሊጹ'ሎ ።

XS
SM
MD
LG