ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምኽትል ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ከምዘሻቐሎ ገሊጹ


ምኽትል ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ንሰብኣዊ ጉዳይን ምትሕብባር ደርኤትን ማርክ ሎውኮክ ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ከምዘሻቐሎ ገሊጹ።

ቅድሚ'ዚ ግጭት ምጅማሩ'ውን ኣብ ክልል ትግራይ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ዝኾኑ ኣብቲ ኸባቢኡ'ውን ካልኦት ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝደልዩሉ ሰባት ዝነብርሉ እዋን'ዩ ዝበለ ማርክ ሎውኮክ፥ እቲ ግጭት ነቲ ኩነታት ኣብ ልዕሊ ምብእኣሱ ሰራሕተኛታት ረድኤት'ውን ንስርሖም የተዓናቕፎ'ሎ ኢሉ።

ሕቡራት ሃገራት ቅልጡፍ ሰብኣዊ ረድኤት ዝበጽሓሉ መስመራት ንምኽፋት ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝምልከቶም ኣካላትን ኣብ ጽምዶ ከምዘሎ'ውን ጠቒሱ።

ኣብ ክልል ትግራይ ካብ ዘሎ ኩናት ናብ ሱዳን ዝሃደሙ ልዕሊ 30 ሺሕ ከምዝበጽሑን፥ንመዓልቲ ልዕሊ ኣርባዕተ ሺሕ ከምዝውሰኹን ወሃቢ ቓል ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ባባር ባሎች ኣፍሊጡ።

ባባር ባሎች ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ እቲ ኩነታት ምሉእ ሰብኣዊ ቅልውላው ምዃኑን ኩሎም ወገናት ተጻብኦታት ደው ኣቢሎም ሲቪላት ናብ ዓዶም ዝምለስሉ ኩነታት ክፈጥሩን ጸዊዑ።

XS
SM
MD
LG