ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምኽትል ኣመሓዳሪ ደቡብ ክልል ኢትዮጵያ ምስ ናይ ኣሜሪካ ኣምባሳደር ኣብ ኢትዮጵያ ተራኺቦም፡ተዘራሪቦም


ምኽትል ኣመሓዳሪ ደቡብ ክልል ኢትዮጵያ ኣቶ ርስቱ ይርዳው ምስ ናይ ኣሜሪካ ኣምባሳደር ኣብ ኢትዮጵያ ማይክል ሬይነር ሎሚ ኣብ ከተማ ሃዋሳ ተራኺቦም ተዘራሪቦም።

ልዝብ ኣቶ ርስቱ ይርዳውን ኣምባሳደር ማይክል ሬይነርን ኣብ ጉዳያት ሰላምን ልምዓትን’ቲ ክልል ዘተኾረ ምንባሩ’ውን ተገሊጹ’ሎ።

እቶም ምኽትል ኣመሓዳሪ ደቡብ ክልል ምስ ኣምባሳደር ማይክል ረይነር ኣብ ዘካየድዎ ልዝብ ኣብ ጉዳያት ምኽባር ሰብኣዊ መሰላት፡ መዳያት ትምህርቲ፡ ጥዕና፡ ሓለዋ ከባቢ ልምዓት፡ ኣርባሕቲ ከብቲን በአሜሪካ ኣብ ዝድገፍ ጉዳያትን ብሓባር ንምስራሕ ከምዝተሰማምዕ ሓላፊ ክፍሊ ፕረስ’ቲ ክልል ኣቶ ፍቅሬ አማን ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጾም ኣለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


ርእይቶታት ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG