ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምኽትል ጉጅለ ኣል-ሸባብ ዝነበረ ሚኒስተር ሃይማኖታዊ ጉዳያት ሶማል ብምዃን ተሸይሙ


ሙክታር ሮቦ
ሙክታር ሮቦ

ቀዳማይ ሚኒስተር ሶማል ሓምዛ ኣብዲ ባረ ሎሚ ሰሉስ ኣብ ካቢነ እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ንናይ ቅድም ምኽትል ጉጅለ ኣል-ሸባብ ዝነበረ ሙክታር ሮቦ ሚኒስተር ሃይማኖታዊ ጉዳያት እታ ሃገር ገይሩ ከም ዝሸሞ ኣፍሊጡ።

“ኣቡ-መንሱር” ብዝብል ስም ዝፍለጥ ሙኽታር ረቦ ኣብ ማእሰርቲ ዝጸንሐ ኰይኑ፡ ቅድሚ’ዚ ምእዋጅ እዚ ሓድሽ መዝነት ትማሊ ካብ ማእከል ሃገራዊ ጸጥታ እታ ሃገር ናጻ ከም ዝተለቐቐ ብኣገልግሎት ፈነወ ቋንቋ ሶማል ድምጺ ኣመሪካ ዝወጸ ሓበሬታ የረድእ።

ኣቡ-መንሱር ኣቐዲሙ ኣብ ምርጫ እታ ሃገር ክወዳደር መደብ እኳ እንተ ነበሮ፡ ኣንጻር ወታሃደራት ኣፍሪቃዊ ሕብረት ብዝተኣሳሰር መጥቃዕቲ ተኸሲሱ ካብ 2018 ኣትሒዙ ኣብ ማእሰርቲ’ዩ ጸኒሑ።

ምርቋሕ ኣቡ-መንሱር ነዚ ሓድሽ መዝነት ነቲ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ዝፍጽም ዘሎ ጕጅለ ኣል-ሸባብ ከተሃዳድእ ትጽቢት ይግበሮ። እዚ ስጕምቲ ድማ ሓድሽ ፕረዚደንት እታ ሃገር ነቲ ዕጡቕ ጕጅለ ንምቅላስ ኣብ ዝገብሮ በብይኑ ዓይነት ተበግሶ ኣካሉ ምዃኑ ካብ ኣገልግሎት ቋንቋ ሶማል ዘቕረቦ ጽሑፍ ይጠቅስ።

XS
SM
MD
LG