ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምክትል ፕረ. ኣሜሪካ ነበር ጆ ባይደን ትማሊ ኣብ 14 ክፍለ ግዝኣ ታት ዝተኻየደ ምርጫ ፓርቲኦም ኣብ 10 ተዓዊቶም


ምኽትል ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ጆ ባይደን ንዲሞክራቲክ ፓርቲ ዝውክል ፕረዚደንታዊ ሕጹይ ንምምራጽ ትማሊ ሰሉስ ኣብ 14 ክፍለ ግዝኣታት ዝተኻየደ ምርጫ ኣብ 10 ተዓዊቶም።ሰነቴር በርኒ ሳንደርስ ኣብ ሰለሰት ክፍለ ግዝእታት ስዒሮም ኣለው።ውጽኢት ምርጫ ሓደ ክፍለ ግዝኣትክሳብ ሕጂ ኣይተፈለጠን።ቢሊየበር ማይክ ብሉምበርግ ካብቲ ውድድር ብምውፃእ ንባይደን ከምዝድግፉ ሓቢሮም።

ትማሊ ሰሉስ ሱፐር ቱስደይ ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ኣብ 14 ክፍለ ግዝኣታት ኣሜሪካ ንዲሞክራቲክ ፓርቲ ዝውክል ፕረዚደንታዊ ሕጹይ ንምምራጽ መረፅቲ ድምፆም ሂቦም ኣለው።

ውፅኢተን ካብ ዝተፈልጣ ክፍለ ግዝኣታት ባይደን ኣብ መብዛሕቲአን ክፍለ ግዝኣታት ስዒሮም ኣለው።ናይ ዲሞክራቲክ ፓርቲ ፕረዚደንታዊ ሕፁይ ጆ ባይደን ኣብ ብዙሓት ክፍለ ግዝኣታት ምስ ስዓሩ ትማሊ ንደገፍቶም ከምዚ በሉ።

“ጆ ኣብ ሱፐር ቱስደይ ኩሉ ነገር ከብቅዕ እዩ ኢሎምኒ ነይሮም።እወ!ንዓይ ዘይኮነስ ንካልኦት ሰባት ዝኣኸለ ይመስል።ኣብ ቨርጂኒያ፣ኖርዝ ኬርላይና፣ ኣላባማ፣ ተነሲ፣ ኦክልሃማ፣ ኣርካንሳ፣ ሚኒሶታ ድምፆም ንዝሃቡ ንገሩዎም።”

ባይደን ኣብ ትውልዲ ዓዲ መወዳድርቶም ናይ ሰኔተር ኤልዛቤት ዋረን ክፍለ ግዝኣት ማሳቹስተስ ከይተረፈ ተዓዊቶም።

ናይ ኢንዲያና ከንቲባ ዝነበሩ ፒት ቡደጂየጅን ናይ ሚኒሶታ ሰነቴር ኤሚ ክሎቡቻር ካብቲ ውድድር ንርእሶም ብምግላል ንባይደን ከምዝድግፉ ምስ ገለፁ እቲ ውድድ ር ካብ ብቕድሚ ትማሊ ሶኑይ እናፀበብ መፂኡ።

ሳንደርስ ክፈለ ግዝኣቶም ኣብዝኾነት ቬርሞነት ከምኡ እውን ኣብ ኡታን ኮሎራዶን ምስተዓወቱ ንደገፍቶም ከምዚ ኢሎም።

“ሕፁይ ዲሞክራቲክ ፓርቲ ብምዃን ክንዕወት ኢና።እዚ ጥራሕ ዘይኮነ ድማ ኣብ ታሪኽ ሃገርና ኣዚዩ ሓደገኛ ንዝኾነ ፕረዚደንት እውን ክንስዕሮ ኢና።”

ቢሊየነር ማይክ ብሉምበር ኣብ ወፍሪ ምርጫ 500 ሚሊዮን ዶላር እንተፍሰሱ እውን ኣብ ሓንቲ ክፍለ ግዝኣት እውን ከይተዓወቱ ምስተረፉ ሎሚ ረቡዕ ናይ ምረፁኒ ወፍሮም ብወግዒ ጠጠው ብምባል ንጆ ባይደን ከምዝድግፉ ኣዊጆም ኣለው።

ብርሑቕ ዝስዕባ ዘለዋ ኤልዛቤት ዋረን ብሉፅ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ክኸውን እየ ኢልኩም ንእትኣምንሉ ድምፅኹም ሃቡ ክብላ ትማሊ ንደገፍተን ተዛሪበን ነይረን።

ናይ ኣሜሪካ ፕረዚደንትዶናልድ ትራምፕ ሕፁይ ዲሞክራቲክ ፓርቲ ኮይኑ ምስ ዝምረጽ ህጹይ ተወዳዳሪ ቅድሚ 3 ሕዳር 2020 ብክትዕ ንምግጣም ድልው እየ ኢሎም ኣለው።

XS
SM
MD
LG