ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምክትል ፕረ. ኣመሪካ ነበር ባይደን መሪሕነቶም የደልድሉ


ምክትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ጆ ባይደን
ምክትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ጆ ባይደን

ምክትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ጆ ባይደን ትማሊ ኣብ ዝተወሰነ ቦታታት ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ንሕጹይነት ሰልፊ ደሞክራት ንመቐናቕንቶም ኣባል ባይቶ በርኒ ሳንደርስ ብገፊሕ ተዓዊቶምሎም።

ምክትል ፕረዚደንት ነበር ጆ ባይደን ንክፍለ ግዝኣት ሚሽጋን ዝሓወሰ ኣብ ኣርባዕተ ኣገደስቲ ክፍለ ግዝኣታታት ኣመሪካ ዓወት ብምጉንጻፎም ሕጹይ ሰልፊ ደሞክራት ንምዃን መሪሕነቶም ኣደልዲሎም ኣለው። ብሰንኪ ዝሑል ምጅማር ዝሓለፈ ወርሒ ሰንከልከል ክብል ዝተራእየ ውጽኢት ጎስጓስ ጆ ባይደን ሕጂ ግን ይውንጨፍ ኣሎ ክብሉ ትማሊ ድሕሪ ዓወቶም ኣብ ክፍለ ግዛኣት ፊላደልፍያ ንደገፍቶም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ብተወሳኺ ገሊጾም።

ባይደን ኣብ ክፍላተ ግዝኣታት ሚዞሪ፣ ሚሲሲፒ፣ ኣይዳሆን ፋብሪካ ማኪና ኣመሪካ ከምምዃና ኣብ እትጥቀስ ክፍላተ ግዝኣት ሚሺጋንን እዮም ተዓዊቶም።

XS
SM
MD
LG