ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምክትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ኣብ ወሽመጥ ኮርያ በጺሓን


ምኽትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ካሜላ ሃሪስ ኣብ ኤስያ ዘካያድኦ ናይ ኣርባዕተ መዓልታት ዑደት ነቲ ንውሽመጥ ኮርያ ዝፈሊ ካብ ወታሃደራዊ ሓይሊ ነጻ ዝኾነ ዞባ ብምብጻሕ ዛዚመን'ለዋ።

ካብ ሰሜን ኮርያ ተጻባኢ ባህሪ ኣብ ዝርኣየሉ ዘሎ ኣብዚ እዋን እዚ ነቲ ንውሽመጥ ኮርያ ዝፈሊ ካብ ወታሃደራዊ ሓይሊ ነጻ ዝኾነ ዞባ ምብጽሐን ኣመሪካ ንድሕንነት መሻርኽታ ኤስያውያን ዘለዋ ውፍይነት ዘርኢ ምኻኑ አስሚረናሉ'ለዋ።

እዚ ዑደት እተን ምኽትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ዝተኻየደ ሰሜን ኮርያ ዳሕረዋይ ሚሳይል ኣብ ዝተኮሰትሉን ፈተነ ኑክሌር ጌራ ከይትኸውን ዝብል ፍርሂ ኣብ ዝተፈጥረሉን እዋን እዩ። ነቲ ንውሽመጥ ኮርያ ዝፈሊ ካብ ወታሃደራዊ ሓይሊ ነጻ ዝኾነ ዞባ ምብጻሕ ኣንጻር ወራር ዘለዎም ጽኑዕ መርገጺ ንምርኣይ ተስፋ ብምግባር መራሕቲ ኣመሪካ ብልሙድ ዝገብርዎ ምብጻሕ እዩ።

ካሜላ ሃሪስ ቅድም ክብላ ኣብ ወታሃደራዊ መደብር ቦ ኒፋስ ንዝርከቡ ወታሃደራት ኣመሪካን ስድርኦምን ብምብጻሕ ከም ዘመስገነኦም ይፍለጥ። ካሜላ ሃሪስ ሎሚ ሓሙስ እዉን ምስ ፕረዚደንት ደቡብ ኮርያ ኣብ ሲዌል ተራኺበን ኣብ ሓባራዊ ጉዳያት ምዝርራበን ተገሊጹ'ሎ።

XS
SM
MD
LG