ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምክትል ኣቦ መንበር ኦፌኮ ኣቶ በቀለ ገርባ ናብ ሕክምና ከይከዱ ምክልኻሎም ተገሊጹ


ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ቃሊቲ ኣብ ምሕሳም መግቢ ዝርከብ ምኽትል ኣቦ-መንበር ናይ ኦሮሞ ፈደራል ኮንግረስ ኣቶ በቀለ ገርባ፡ ቤት ፍርዲ ዝወሰነሉ ናብ ሕክምና ናይ ምኻድ ውሳነ ተቐቢሎም ናብ ሕክምና ክወሰድዎ ከለዉ ብሓይልታት ጸጥታ ከም ዝተኸልከሉ ሓደ ገባሪ ሰናይ ሕክምና ዝተባህለ ጉጅለ ኣፍሊጡ።

ናይቶም ተኸሰስቲ ጠበቓታት ትእዛዝ ሕክምና ቤት ፍርዲ፡ ን4ይ ግዚኡ ዝወጸን ሕጂ`ውን ዝተጣሕሰ ምዃኑ ይገልጹ። ብዛዕባ`ዚ ዝተሓተተ ላዕላዋይ ዓቃቢ ሕጊ ኢትዮጵያ ምላሽ ካብ ምሃብ ተቖጢቡ`ሎ።

XS
SM
MD
LG