ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምክትል ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ደመቀ መኮንን ንስሩዕ መንግስታዊ ዕዮ ከምዝፍጽሙ ተገሊጹ


ምክትል ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ደመቀ መኮንን
ምክትል ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ደመቀ መኮንን

ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ናብ ግንባር ድሕሪ ምውፋሮም፣ ንስሩዕ መንግስታዊ ዕዮ ምክትል ቀ/ሚን ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢን ደመቀ መኮንን ተኪኦም ከምዝሰርሑ ተገሊጹ።

ኣመሪካ ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት፣ ንዲፕሎማስያዊ ጻዕሪታት ከምዘተዓናቅፍ ክትገልጽ ከላ፣ ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ቀ/ሚ ምውፋሮም ምብርባር ፈጢሩ ኣሎ ይብል። እዚ ከምዚ'ሉ ከሎ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ውግእ ስፍሑ ብኣማኢት ኣሻሓት ዝቑጸሩ ሰባት ንጸገም ከምዘቃለዖም ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኣፍሊጡ ።

ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኢትዮጵያ ሎሚ ረቡዕ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ "ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ፣ ናብ ግንባር ውግእ ከምዝብገሱ ብመሰረት ዝሃብዎ መግለጺ ትማሊ ሰሉስ ከምዝወፈሩ" ኣረጋጊጹ። ሚኒስትር ኮምኒኬሽን ዶ/ር ለገሰ ቱሉ "ስሩዕ ስራሕቲ ዝመርሑ ምክትል ቀ/ሚን ሚኒስትር ወጻኢን ደመቀ መኮንን ከምዝኾኑ" ሓቢሮም።

ብካልእ ወገን፣ ውግእ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ ዝሰፍሓሉእዋን፣ ብኣማኢት ኣሻሓት ዝቑጸሩ ሰባት ንጸገም ይቃልዑ ከምዘለው ዓለምለኸ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ገሊጹ። ብተመሳሳሊ፣ ዓውደ ግንባራት ምቅይያሮምን ኩነተ ጸጥታ ምንቁልቋሉን፣ ንስራሕቲ ቀረብ ረድኤትን ሓገዝን ከቢድ ከምዝገበሮ ዝመጸና ዜና ገሊጹ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


Recommended

XS
SM
MD
LG