ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምክትል ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነትን ስለያን ኢትዮጵያ ኣቶ ያሬድ ዘሪሁን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ተገሊጹ


ጀነራል ያሬድ ዘሪሁን
ጀነራል ያሬድ ዘሪሁን

ምክትል ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነትን ስለያን ኮሚሽነር ኮሚሽን ፈደራል ፖሊስ ዝነበሩ ኣቶ ያሬድ ዘሪሁን ትማሊ ሓሙስ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ተገሊጹ ።

ንማእሰርቲ ኣቶ ያሬድ ዘሪሁን ዓቃቢ ሕጊ ብርሃኑ ጸጋይ ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ትዊተር መልእኽቲ አረጋጊጾም ኣለው እንተኾነ ተወሳኺ መብርሂ ግን ኣይሃቡን።

ኣቶ ያሬድ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ኮሚሽነር ኮሚሽን ፈደራል ፖሊስ ኮይኖም ዝተመዘዙ ክኮኑ ከለው ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ካብ መዝነቶም ምልቃቖም ይዝከር ።

ኢትዮጵያ ኣብዚ ሰሙን'ዚ ብክስታት ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ብልሽውናን ኣስታት 63 ላዕለዎት ሰበ ስልጣን'ታ ሃገር ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ይፍለጥ ።

ብተወሳኺ ትማሊ ሓሙስ ንሓላፊ ክፍሊ ጸጥታ ኢትዮ ቴሌ ኮም ኣቶ ጉደታ ኦላና ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ንመንግስቲ ቅርበት ዘለዎ ፋና ብሮድካስቲንግ ኤጄንሲ ሓቢሩ ።


ይኹን ደአ እምበር ምክንያት ማእሰርቲ ኣቶ ጉደታ ብንጹር ከምዘይተገልጸ'ውን ፋና ገሊጹ'ሎ

XS
SM
MD
LG