ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

"ምንቅስቃስ ሰራዊት ምክልኻል ምትዕንቃፍ ቅኑዕ ኣይኮነን"ዶ/ር ደብረጽየን ገብረሚካኤል


ምንቅስቃስ ሰራዊት ምክልኻል ምትዕንቃፍ ቅኑዕ ኣይኮነን ክብሉ ምክትል ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶ/ር ደብረጽየን ገብረሚካኤል ሎሚ አማስይኡ ንእዋናዊ ኩነታት ብዝምልከት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ኣፍሊጦም። ንናይ ሎሚ መዓልቲን ኣቐዲሙ ዝተራእየ ምዕንቃፍ ምንቅስቃስ ሰራዊት ምክልካል ኾኒኖም።

ንሶም ኣብ መግለጺኦም እዚ ዓይነት ስጉምቲ ንሓድነት ህዝቢ ትግራይ ዝከፋፍልን ንክብሪ ሰራዊት ምክልካል ዝጥሕስን ብምኳኑ እዚ ፍጻሜ ግጉይ ስጉምቲ እዩ’ውን ኢሎም።

ምስዚ ብዝተሓሓዝ ማእኸላይ ኮሚቴ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ(ህውሓት) ንሰለስተ መዓልታት ዘካየዶ ኣኼባ ዛዚሙ።

እቲ ኮሚቴ ድሕሪ ኣኼባ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ኢትዮጵያ ካብ ሓደጋ ንምድሓን ቃልስን ፃዕርን ኩሉ ህዝቢ የድሊ ኢሉ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG