ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምትእኽካብ ገንዘብ መንግስቲ ክልል ትግራይ


ሓላፊት ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ወይዘሮ ሊያ ካሳ
ሓላፊት ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ወይዘሮ ሊያ ካሳ

መንግስቲ ትግራይ ሓገዝ ገንዘብ ክግበረሉ ብማዕኸናት ዜና እቲ ክልል ኣቢሉ ንህዝቢ ይሓትት ኣሎ:: በዚ ድማ ሰራሕተኛታት መንግስትን ትካላት ልምዓትን ካብ 5 ሚእታዊት ጀሚሩ ክሳብ ምሉእ ናይ ሓደ ወርሒ መሃየኦም ከምዘወፈዩ ሓላፊት ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ወይዘሮ ሊያ ካሳ ተዛሪበን::

ወ/ሮ ሊያ ካሳ ብተወሳኺ ማሕበረሰብ ንግድን ሰብሃብቲን ትግራይ ናብዚ ምንቅስቓስ ብምሕዋስ 16 ሰነ 2011 ዓ.ም ናይ ባዕሎም ቴሌቶን ኣዳልዮም 250 ሚልዮን ብር ንምእካብ ተሊሞም ኣለው ኢለን:: መንግስቲ ትግራይ እቲ ገንዘብ የተኣኻኽብ ዘሎ ኣብዛ ሃገር ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ብዝተፈጠረ ፀገም ፖለቲካ ካልኣይ ምዕራፍ ትልሚ ዕብየትን ትራንስፎሜሽን ብዝግባእ ስለዘይተፈፀመ እዩ ዝበላ ወ/ሮ ሊያ: ኣብ ትግራይ እውን ከምቲ ናይ ሃገር ኣፈፃፅምኡ ትሑት እዩ ኢለን:: በዚ ድማ ኣብ ዝተረፈ ሓደ ዓመት እቲ ስራሓት ልምዓት ንምክሕሓስ ተወሳኺ ገንዘብ ኣድላዪ ስለዝኾነ እዩ ኢለን::

ብተወሳኺ በቲ ፖለቲካዊ ፀገም ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ተመዛቢሎም ናብ ትግራይ ዝመፁ 109 ሽሕ ተጋሩ መልሲካ እግሪ ናይ ምትካል ስራሓት ስለዘይተፈፀመ ንዕኦም እውን ንምሕጋዝ እዩ ክብላ ኣረዲኣን:: ደሕንነት ህዝቢ ትግራይ ንምሕላው ድማ ተወሳኺ ገንዘብ ስለዘድሊ እዩ እውን ኢለን::

እቲ ክልል በብዓመቱ ዝምድቦ ናይ ገንዘብ ባጀትን ፌደራል መንግስቲ ዝህቦ ድጎማ ንምንታይ ስራሕ እንዳወዓለ እዩ እቲ ገንዘብ ናይ ምትእኽኻብ ዝተጀመረ ዝብል ዝቐረበለን ሕቶ: ወይዘሮ ሊያ እቲ በጀት ንስራሓት ልምዓት ይውዕል ኣሎ ኮይኑ ግና ኣብዚ ሐዚ እዋን ንዘሎ ድልየት ህዝቢ ዘዕግብ ኣይኮነን ኢለን::

ምክትል ምምሕዳር ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል "መንግስቲ ፌደራል ልቓሕ ሓረስቶት ስለዘይተመለሰ ብዝብል 200 ሚልዮን ብር ካብ በጀት ቆሪፁ ኣትሪፉ እዩ" ኢሎም ተዛሪቦም ነይሮም እዚ ጉዳይ ገንዘብ ንምትእኽኻብ ምኽንያት ኮይኑ'ዶ ዝብል ሕቶ እውን እዚ ጉዳይ ኣብዚ ሐዚ እዋን ነቲ ክልል የጋጥምዎ ካብዘለዉ ፀገማት እቲ ሓደ እምበር ቀንዲ ኣይኮነን ኢለን::ብዛዕባ እቲ ጉዳዩ መብርሂ እንትህባ ኣቐዲምካ በጀት ካብ ምቑራፅ ብምርድዳእ ምፍታሕ ይከኣል ነይሩ ድማ ኢለን::

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ምትእኽካብ ገንዘብ መንግስቲ ክልል ትግራይ
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:39 0:00

XS
SM
MD
LG