ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምትሓዝ ሓደ ካብ ተሃደንቲ ኣሰጋገርቲ ሰባት (ጆን ሃብቱ) እንታይ ፍልልይ ይፈጥር?


ኣብ ምስግጋር ንግዲ ሰባት ክነጥፍ ዝጸንሐ’ሞ ብቤት-ፍርዲ ኔዘርላንድስ ገበነኛ ኰይኑ ድሕሪ ምርካቡ ኣብ ሃድን ዝጸንሐ ጆን ሃብቱ ወይ ድማ ጆን ኦባማ፡ ብምትሕብባር ኢንተርፖል ፖሊሰ ኬንያን ኔዘርላንድስን ምትሓዙ ኣብ በበይኑ ማዕከናት መራኸቢታት ክዝረብ ጸኒሑ። ንምዃኑ ጆን ዝኽሰሰሉ ወይ ድማ ውዒሉዎ ዝብሃል ገበናት እንታይ’ዩ? ጆን ተዋፊሩሉ ዝብሃል ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት’ከ ከመይ ዝበለ’ዩ ነይሩ: ንተሓላቒት ጉዳያት ስደተኛታት ሜሮን እስቲፋኖስ ኣዘራሪብናያ ኣሎና ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG