ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

`ናይ ሰላም ሃዋራያ`፡ ኢትዮጵያውያን ኣዴታት ኣብ ምልእቲ`ታ ሃገር ብምዛር ንሰላምን ሓድነትን ይምሕጸና


ካብ ዝተፈላለያ ክልላትን ከባቢታት ዝተወከላ ኣምባሳደር ሰላም ተባሂለን ዝተሰየማ ኣዴታት ናብ ከተማ መቐለ ይበጽሓ ኣለዋ።

እተን ኣዴታት ምስ ምክትል ርእሰ ምምሕደር ክልል ትግራይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ተራኺበን ተዘራሪበን።

ዶክተር ደብረፅዮን ኣብቲ ዘተ ኣብ ትግራይ ሰላም እዩ ዘሎ ኮይኑ ግና ኣብ ካልእ ከባቢ እውን ሰላም ክሰፍን ክንሕግዘክን ኢና ኢሎም።

ብኻልእ ወገን እዘን ሰላምን ሓድነትን ዝናፈቓ ኣዴታት፡ ናይ ሰላም ጉዕዘአን ብኸተማ ባህርዳር ከምዝጀመራ ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ካብ ከተማ ባህርዳር ትገልጽ።

ኣብ ኣዳራሽ ቤት-ምኽሪ ኽልል ኣምሓራ ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት፡ ነተን ኣዴታት መንእሰያት ተቐቢሎመን።

እተን ኣዴታት ብዘቕርብኦ ዝነበራ ምሕጽንታ ልቡ ዘይተተንከፈ መንእሰይ ኣይነበረን ትብል ነቲ ኣብ ኣዳራሽ ዝነበረ ሃዋህው ብምርኣይ።

“ን50 ሚልዮን ኣዴታት ወኪልና ክንመጽእ ኸለና ከምዘይተሕፉርና ስለእንፈልጥ ኢና። ሃገር ከምዝተረከብኩም፡ ስልጣን እተሰጋግሩ ንስኻትኩም ምዃንኩም ስለእንፈልጥ ኢና። ኣብ ጻዕሪ-ሕርሲ ሰላም ኢና ዘለና። ነዛ ተወሊዳ ዘላ ሰላም ንስኻትኩም ኢኹም ክተዕብዩዋ። ድሕሪ ደጊም ንስኻትኩም እናሃለኹም ኣይክንበክይን ኢና” ኢለን።

እተን ናይ ሰላም-ሃዋርያ ኣዴታት ካብ ኩሉ ከባቢታት ኢትዮጵያ ዝተዋጽኣ`የን፡ ዝቕጽል ጉዕዘአን ክልል ዓፈር`ዩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG