ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምብጻሕ ኣምባ.ኣመሪካ ኣብ ፓርክ ኢንዳስትሪ ሃዋሳ-ኢትዮጵያ


ምብጻሕ ኣምባ.ኣመሪካ ኣብ ፓርክ ኢንዳስትሪ ሃዋሳ-ኢትዮጵያ
ምብጻሕ ኣምባ.ኣመሪካ ኣብ ፓርክ ኢንዳስትሪ ሃዋሳ-ኢትዮጵያ

ኣመሪካ ንምዕባለን ተጠቃሚነትን ኣፍሪቃ ብዝዘርገሐቶ ዕድልን ዕብየትን ኣፍሪቃ(AGOA) ዝተባህለ ፕሮግራም ፣ ኣብ ኢንዱስትርያል ፓርክ ሃዋሳ ተቆጺረን ዝሰርሓ ደቂ ኣንስትዮ፣ ህይወተን ኣብ ምምሕያሽ ከምዝሓገዘ ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ጊታ ፓሲ ገሊጸን።

ኣምባሳደር ፓሲ ነዚ ርእይቶ’ዚ ዝሃባ ነቲ ፓርክ ኢንዱስትሪ ሎሚ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን’ዩ።

ኣመሪካ ዝኸፈተቶን ንዝቅጽሉ ኣርባዕተ ዓመታት’ውን ዝትግበር'ዚ ፕሮግራም፣ ኣቁሑት ዝተፈላለያ ሃገራት ናብ ዕዳጋ ኣመሪካ ካብ ቀረጽ ናጻ ንክኣቱ ዘኽእል እዩ። ኣብ ኢንዱስትሪ ፓርክ ሃዋሳ ዝሰርሓ ደቂ ኣንስትዮ ኣዎንታዊ ጽልዋ ከምዘሕደረ’ውን ዝመጸ ዜና ይሕብር።

ኣምባሳደር ፓሲ ዛጊድ ኣብ ክልል ኣምሓራ፣ ሶማሌ፣ ደቡብን ትግራይ መገሻ ከምዝፈጸማ ዝዝከር’ዩ ።

XS
SM
MD
LG