ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምብታኽ ዝምድና ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ክልል ትግራይ ካብ ኢትዮጵያ ስለምንታይ?


ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ክልል ትግራይ
ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ክልል ትግራይ

ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ክልል ትግራይ፡ ምስ ጠቕላሊ ቤት-ምኽሪ እስልምና ኢትዮጵያ ዝነበሮ ዝምድና ከም ዝበተኸ ኣፍሊጡ ኣሎ።

እቲ ቤት ምኽሪ ናብ’ዚ ውሳነ’ዚ ዝበቅዐ ድሕሪ ትማሊ ሰኑይ ዘካየዶ ኣኼባ ከምዝኾነን፣ ደጊም ናጻ ኮይኑ ከምዝሰርሕን ገሊጹ።

ፕረዚደንት'ቲ ቤት ምኽሪ ሸኽ ዓብደልቃድር ጁሃር ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ "ናብ’ዚ ውሳነ’ዚ ዝተበጽሐ፣ ናይ ኢትዮጵያ ጉዳያት እስልምና፣ ኣብ እዋን ስቃይ ኣመንቲ እስልምና ተጋሩ ኣብ ጎንና ደው ስለዘይበለን ንዝተፈጸሙ ግፍዒታት ስለዘይኾነነን'ዩ" ይብሉ።

XS
SM
MD
LG