ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ምቍራጽ ተጻብኦታት ኢትዮጵያ ናይ ቀረባ ክትትል ይሓትት” ህዩማን ራይትስ ዎች


ዓለምለኻዊ ትካል ተሓላቒ መሰላት ህዩማን ራይትስ ዎች ንጉዳይ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ “እቲ አብ መንጎ ፈደራል መንግስቲን ንክልል ትግራይ ዝመርሕ ዘሎ ውድብ ህወሓትን ዝተኸተመ ስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦታት ንዝተፈጸመ በዳላት ብግቡእ ተኸታቲሉ ኻልእ ግፍዒ ከይፍጸም ዘዘኻኽር ኣጋጣሚ’ዩ” ክብል ገሊጹ።

ተቐናቐንቲ ኣካላት ንድሕነት ዜጋታት ቀዳምነት ክህቡ ዘተሓሳስበ እቲ ትካል፡ ፈጸምቲ በድል ዝግበኦም ፍርዲ ዝረኽቡሉ መገዲ’ውን ክፍጠር ጸዊዑ።

ህዩማን ራይትስ ዎች ኣብ መግለጺኡ፡ “ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ድሕሪ ናይ ዓሰርተ መዓልታት ዝርርብ ዝተፈረመ ስምምዕ፡ ክልቲኦም ወገናት ነቲ ዝፈረሙዎ ኣብ ባይታ ከተግብሩ ይግበኦም፡” ኢሉ። ኣብቲ ትካል ምኽትል ዳይሬክተር ኣፍሪቃ ዝዀነት ካሪን ከንዛ ናቱልያ፡ “እቲ ስምምዕ ንስቅያት ሚልዮናት ህዝቢ መኸተመታ ክገብር” ዘለዋ ተስፋ ገሊጻ።

ህዩማን ራይትስ ዎች ኣብ መግለጺኡ፡ ኣብቲ ሎሚ መዓልቲ ካልኣይ ዓመቱ ዝመልአ ኲናት፡ ብሓይልታት ፈደራል፡ ሰራዊት ኤርትራ፡ ሚሊሻ ፋኖን ሓይልታት ትግራይን ቅትለት፡ ጾታዊ ዓመጽ፡ ዘረፋን ምክያዱ ደጊሙ ኣስሚሩ። እቲ መግለጺ ድማ ወሲኹ ኣብ ምዕራብ ክልል ትግራይ፡ ብዕጡቓት ሚሊሻ ክልል ኣምሓራን ገለ እዋን ድማ ወተሃደራት ፈደራላዊ መንግስቲን፡ ኣንጻር ተወላዶ ትግራይ፡ ዘርኢ ናይ ምጥፋእ ዘመተ ምክያዱ በቲ ትካልን ካልእ ተሓላቒ ትካል ኣምንስቲ ኢንተርናሽናልን ምርግጋጹ ጠቒሱ ኣሎ።

መግለጺ ህይማን ራይትስ ዎች ከም ዝጠቕሶ፡ ብሰንኪ’ቲ ኲናት፡ ኣስታት 13 ሚልዮን ህዝቢ ካብ ክልላት ኣምሓራ፡ ዓፋርን ትግራይን ተመዛቢሉ ንዝኸፍአ ዓለምለኸ ቅልውልላው ተቓሊዑ።

እቲ ትካል’ውን ኣብቲ ኲናት ብዛዕባ ዝተቐትሉ ሰራሕተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣመልኪቱ ኣሎ።

ድሕሪ’ዚ ምኽታም ስምምዕ፡ እቲ ናብ ክልል ትግራይ ከይኣቱ ተቛሪጹ ዝጸንሐ ሰብኣዊ ሓገዝ ብህጹጽ ክምለስን ክቕጽልን ድማ ህዩማን ራይትስ ዎች ንፈደራላዊ መንግስቲ ጸዊዑ።

መላፍንቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝዀኑ ኣካላት፡ ነቲ ስምምዕ ከተግብሩ ዝጸውዐ ህዩማን ራይትስ ዎች፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብቲ ግፍዒ ዝተፈጸመሉ ቦታታት ናጻ ኣካላትን መርመርቲ ኣካላትን ከፍቅድ ኣተሓሳሲቡ።

“እቲ ስምምዕ ኣብ መዳይ ተሓታትነት ዝርዝር ይጎድሎ’ዩ” ዝብለ ህዩማን ራይትስ ዎች፡ ሕጂ’ውን ናብ ፍትሒ ዝረጋገጸሉ ቅኑዕ መገዲ ዕርቂ ክኸየድ ከም ዘለዎ ኣስሚሩሉ።

“ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመት ፈጸምቲ በደል ካብ ተሓታትነት ከምልጡ ጸኒሖም’ዮም” ዝበለት ምኽትል ዳይረክተር ጉዳያት ኣፍሪቃ፡ “ተሓታትነትን ንፈጸምቲ በደል ዝበቅዕ ግቡእ ፍርዲን ኣብ ቀዳምነት ናይቲ ኣጀንዳ ክኸውን ኣለዎ” ኢላ።

XS
SM
MD
LG