ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ምቁራጽ ፕሮግራም ኣግዋ ንዝምድና ኣመሪካን ኢትዮጵያን ዝምጥን ኣይኮነን' ሚ/ጉ/ወ ኢትዮጵያ


ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ
ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ

ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ: መንግስቲ ኣመሪካ ንፕሮግራም ካብ ቀረጽ ናጻ ዕድል ንግዲ (ኣግዋ) ክቋረጽ ምውሳኑ ከምኡ'ውን HR6600 ዝተባሃለ ረቂቅ ሕጊ ንምሕላፍ ይገብሮ ዘሎ ተበግሶ ነቲ ነዊሕ ዝጸንሐ ሰናይ ርክብ ክልቲኤን ሃገራት ዝምጥን ኣይኮነን ኢሉ ።

እዚ መርገጺ ኢትዮጵያ፣ ምክትል ቀ/ሚን ሚኒስትርን ጉዳያት ወጻኢን ደመቀ መኮንን፣ ንሓዳስ ፈጻሚት ጉዳይ ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ትሬሲ ኣና ጀኮብሰን ከምዝገለጹለን’ውን ወሃቢ ቃል’ቲ ቤት ዕዮ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ገሊጾም።

ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ሎሚ ሓሙስ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣብ ጉዳይ ዩክሬን፣ ኢትዮጵያ ዝሓዘቶ መርገጺ፣ ንዓለም’ውን ዝረብሕ እዩ ኢሎም።

እቶም ወሃቢ ቃል ኣብ’ቲ መግለጺኦም፣ ልዕሊ 100 ሽሕ ኢትዮጵያዊያን ካብ ስዑድያ ንምምላስ ይስራሕ ከምዘሎ’ውን ሓቢሮም።

XS
SM
MD
LG