ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምቁራጽ ኣሜሪካ ንኢትዮጵያ ትህቦ ሓገዝ ምስ ምስሕሓብ ግድብ ህዳሴ ዝተሓሓዘ ከምዘይኮነ ኣፍሊጣ


ምቁራፅ ኣሜሪካ ንኢትዮጵያ ትህቦ ዝነበረት ብሚልዮናት ዶላር ዝቑጸርን ናይ ገንዘብ ሓገዝ እታ ሃገር ኣብ ግዙፍ ፕሮጀክት ግድብ መመንጨዊ ኤሌክትሪክ ምስ ግብፂ ምስ ዘለዋ ምስሕሓብ ከምዘይተተሓሕዞ ምውሳና ኣፍሊጣ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ሎሚ ዓርቢ ከምዝገለፆ ግን ኩሉ ኣስታት 272 ሚሊዮን ዶላር ናይ ፀጥታን ልምዓትን ሓገዝ ሽዑ ንሽዑ ክውሕዝ እዩ ማለት ኣይኮነን፤ ኣብ ቀረባ ምስ ዝተፈጠሩ ክስታት ዝተሞርከሰ እዚ ድማ ኣብ ክልል ትግራይ ምስ ዝተፈጥረ ዘስካሕክሕ ግጭት ዝምስረት እዩ ኢሉ ኣሎ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ከምዝሓበሮ ሰብኣዊ ረድኤት ካብቲ እገዳ ነፃ ኮይኑ ኣሎ ኢሉ።እዚ ድማ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝገለፀሉ ኣፍሊጡ።

ርእይቶ ወሃቢ ቃል ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ንምርካብ ዝተገብረ ፃዕሪ ኣይሰለጠን።

ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ነቲ ቀጥታዊ ረድኤት ምስ ኣቋረፁዎ ኢትዮጵያ ቁጥዕኣ ገሊፃ ነይራ እያ።ኢትዮጵያ ምስ ግብፂ ብኣሜሪካ ካብ ዝምራሕ ልዝብ ድሕሪ ምስሓባ ትራምፕ ግብፂ ነቲ ናይ አባይ ግድብ ፕሮጀክት ክተፍርሶ እያ ዝብል ርእይቶ ሂቦም ነይሮም።

ካብ ሕዳር ጀሚሩ ኣስታት ሽዱሽተ ሚሊዮን ህዝቢ ካብ ዓለም ዝበተኸሉ ኣብ ትግራይ ደማዊ ኵናት ብምክያዱ ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕጂ እዋን ካብ ሕብረት ኣውሮጳን ሕቡራት ሃገራትን ኣሜሪካን ፀቕጢ ይበፅሓ ኣሎ።

ጃምላዊ ጭፍጨፋ ምፍፃሙ፣ሰባት ብጥምየት ምሟት ምጅማሮምን ናይ ዓይኒ መሰካኽር ገሊፆም ኣለው። ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ወታሃደራት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ከምዝርከቡ እንተተገለፀ እውን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣሉታ ሂቡሉ ኣሎ።

ኣሜሪካ ወታሃደራት ኤርትራ ብዘይ ውዓል ሕደት ካብ ኢትዮጵያ ክወፁ ኣለዎም ኢላ እያ።ኣብ መጀመሪያ ሒዝናዮ ዘለና ሰሙን እውን ወሃቢ ቃል ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ኣብ ክልል ትግራይ ሰፊሕ ሰብኣዊ መግሃስቲ ይፍፀም ምህላው ኣዚዩ የተሓሳስበና ኣሎ ክብል ገሊፁ ኣሎ።

እቶም ወሃቢ ቃል ብምውሳኽ ኣብ ትግራይ ይካየድ ዘሎ ውግእ ጠጠው ክብል፣ ምሉእን ዘይተደረትን ተበፃሕነት ሓገዝ ክፍቀድ መግሃስትታት ብገለልተኛ ምርመራ ክካየድን ተሓታትነት ሕጊ ክረጋገፅን ፀዊዖም ኣለው።

XS
SM
MD
LG