ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምቁራጽ ሓይሊ ኤሌትሪክ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ኣገልግሎታት ተጽዕኖ ይፈጥር ምህላው ይግለጽ ኣሎ


ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ እናገደደ ይኸይድ ብዘሎ ምቁራጽ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንሓደጋ ዝተቓልዑ ሰባት ኣብ ፀገም የእትዎም ከምዘሎ ዝበፅሐና ዜና ሓቢሩ። መንግስቲ ናይ ፀዓት ፀቕጢ ንምንካይ ይወስዶ ብዘሎ ስጉምቲ ኣብ ህፁፅ ኣገልግሎታት ፀቕጥታት ይፈጥር ምህላው'ውን ይግለጽ ኣሎ።

ኣባይትን ትካላት ንግድን ኣብ መዓልቲ ክሳብ 10 ሰዓታት ብዘይ ኤሌክትሪክ የሕልፍኦ ኣለዋ።

ኣብ ሰሜን ጆሃንስበርግ እትርከብ ከተማ ሳንድተን ዝሰርሑ ሓካይም ኣብ ኣገልግሎት ጥዕና ተፈጢሩ ዘሎ ተፅዕኖ ዓብይ ምዃኑ ይገልፁ። ኣብ ሆስፒታላት ጀነረተራት ምስራሕ ጠጠው ስለዘበላ ሓካይም ዝለዓለ ክንክን ንዘድልዮም ሕሙማት ኣብ ክንዲ ብማሽን ብኢድ ዝሰርሓ መሳርሒ ኣቢሎም ንኣርባዕተ ስዓታት ክትንፍሱ ይሕግዙዎም ኣለው።

ሰራሕተኛታት ኣምቡላንስ ናይ ትራፊክ መብራህቲ ኣብ ዘይሰርሐሉ ፅርጊያ ክቃለሱ ይርኣዩ።

ነዊሕ ዕድመ ኣብ ዘለወን መደበራት ኤሌክትሪክ ኣድላይ ጽገና ብዘይምክያዱን ንዓመታት ብሰንኪ ንዓመታት ዝጸንሐ ብልሽውናን ኢስኮም ጠለብ ኤሌክትሪክ ከማልእ ኣይክኣለን።

ደቡብ ኣፍሪቃ ካብ ተሓዳሲ ፀዓት ማለት እውን ካብ ንፋስን ብርሃን ፀሓይን ተወሰኽቲ ዓቕምታት ንምህናፅ ትደሊ ግን ኣብ ሓፂር እዋን ዝኸውን ኣይመስልን።

XS
SM
MD
LG