ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምስ ወራር ሩስያ ኣብ ዩክሬን ብዝተኣሳሰር 23 ጋዜጠኛታት ምሟቶም ማሕበር ጋዜጠኛታት ዩክሬን ኣፍሊጡ


ፋይል

ወራር ሩስያ ኣብ ዩክሬን ካብ ዝጀመረሉ እዋን፡ 23 ጋዜጠኛታት ደቂ-ዓዲን ዜጋታት ካልኦት ሃገራትን ከም ዝሞቱ ኣብ ዩክሬን ዝመደበሩ ማሕበር ጋዜጠኛታት ኣፍሊጡ። እቲ ማሕበር ጋዜጠኛታት ነቲ ኣሃዝ ካብቶም ዝደሓኑ ጋዜጠኛታት ክእክቦ ከም ዝኸኣለ የመልክት። ዓለምለኸ ተሓላቒ ትካል ኮሚተ ንድሕነት ጋዜጠኛታት (CPJ) ብወገኑ፡ ሸውዓተ ጋዜጠኛታት ኣብ ሞያዊ ስራሕ እንከለዉ ከም ዝተቐትሉ ኣመልኪቱ። ምስቲ ዘሎ ስእነት ሓበሬታን በበይኑ ምጕስቓላትን ቅኑዕ ኣሃዝ ንምርካብ ኣመና ከም ዘጸግም ድማ እቲ ተሓላቒ ትካል ይሕብር።

ሓያሎ ካብቶም ጋዜጠኛታት ገና ኣብ ትሕቲ ከበባ’ውን እናሃለዉ ሓቀኛ ምስሊ እቲ ዘሎ ኲናት ይስንዱ ምህላዎም ፍሉይ ኣፍልጦ ክወሃቦም ከም ዘድሊ’ውን ማሕበር ጋዜጠኛታት ዩክሬን ኣዘኻኺሩ ኣሎ።

ርእይቶታት ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG