ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምስ ምትሓዝ ፋብሪካ ሓጺን ማሪፖል ብዝሒ ዘለዎም ወታሃደራት ዩክሬን ኢዶም ንሩስያ ምሃቦም ተገሊጹ


ኢዶም ዝህቡ ወታሃደራት
ኢዶም ዝህቡ ወታሃደራት

ዩክሬን ኣብ ወደባዊት ከተማኣ ማሪፖል ካብ ዝርከብ ፋብሪካ ሓፂን ምስ ለቐቐት ትማሊ ሰሉስ ኣብ ኢድ ሩሲያ ምውዳቓ ግሁድ ምስኮነ ኣብቲ ፋብሪካ ዓሪዶም ዝነበሩ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ተዋጋእቲ ኪይቭ ብዝተበጽሓ ስምምዕ መሰረት ንሓይልታት ሩስያ ኢዶም ሂቦም።

ብቕድሚ ትማሊ ሰኑይ ልዕሊ 260 ዩክሬይናዊያን ተዋጋእቲ ካብቲ ዝዓነወ ፋብሪካ ሓፂን ኣዞቭስታል ወፂኦም ኢዶም ንሓይልታት ሩሲያ ሂቦም ኣለው።

ሰበስልጣን ዩክሬን እቶም ዝተረፉ ሓይልታቶም ካብቲ ፋብሪካ ንምውፃእ ንሰርሕ ኣለና ይብሉ።ቁፅሪ ዝተረፉ ተዋጋእቲ ግን ንፁር ኣይኮነን።

ሩስያ ነቲ ስርሒት ብጃምላ ኢድ ምሃብ ክትብል ፀዊዓቶ ኣላ።ዩክሬናዊያን ብኣንፃሩ እቶም ዕጡቓት ተልእኹኦም ወዲኦም እዮም ይብሉ።

ናይቶም ወታሃደራት መፃኢ ዕጫ እንታይ ከምዝኸውን ግን ንፁር ኣይኮነን።

XS
SM
MD
LG