ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራዊ መሃዚ ሻም መስፍን “ምስጥር ዓወት፡ግቡእ ምሕደራ ግዜን ኣብ ትፈትዎን ተድምዓሉን ዓውዲ ምንጣፍን`ዩ” ይብል


A vendor carrying a sack of leafy vegetables wades across a flooded market place after heavy rainfall in Lahore, Pakistan.
A vendor carrying a sack of leafy vegetables wades across a flooded market place after heavy rainfall in Lahore, Pakistan.

ሻም መስፍን ብዓውዲ ምህንድስና ኮምፕዩተር ተመሪቑ ከም ክኢላ ሓበሬታ ቴክኖሎጂ ኮይኑ ኣብ ምስራሕ ዝረከብ ኣብነታዊ መንእሰይ`ዩ።

ጎን ጎኒ ስርሑ ኣብ ጥቕሚ ሕብረተሰብ ዝውዕሉ ዝተፈላለዩ ሶፍትዌራትን መተግበሪ ኣፕልኬሽናትን ብምድላው ጸገማት ሕብረተሰብ ንምፍታሕ ከይደቀሰ ዝሓድርን ወትሩ ሓደሽቲ ነገራት ኣብ ምፍጣር ኣብ ጻዕሪ ዝርከብን ዕዉት መንእሰይ`ዩ።

ቅድሚ ሕጂ ምስ ሓሙሽተ ብጾቱ “`ናትና ኦፕሬቲን ሲስተም` ዝሰመይዋ ብቐሊሉ ብትግርኛን እንግሊዝኛን ንክትጥቀመላ ትሕግዝ ስርዓት ከምኡ`ውን ንመባእታ ተማሃሮ ዘገልግላ ናይ ትግርኛን ቁጽርን መምሃሪ ሶፍት ዌር ምስ ካልኣዩ ሰሪሑ።

እተን ስርሓት ኣብ ዝሓለፈ ዓመታዊ ፈስቲቫል ኤርትራ`ውን ተሸሊመን`የን ።ኣብ`ዚ ሕጂ እዋን ከኣ ንሕሙማት ሽኮርያ፡ንስነ-ጥበባውያን ዝሕግዙ ስርሓትን ዘረባ ናብ ጽሑፍ ትቕይር ሶፍት ዌርን ኣዳልዩ`ሎ።

ምስ ሻም ዝተገብረ ዕላል ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG