ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምስሓብ ሰራዊት ኣሜሪካ ካብ ኣፍጋኒስታን ሃጓፍ ጸጥታ ከይፈጥር የሻቕል


ሰራዊት ኣሜሪካን ሓይልታት ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ)ን ናይ ድሕሪ 20 ዓመት ነባርነት፡ ካብ ኣፍጋኒስታን፡ ጠቕሊሎም ኣብ ዝወጽሉ ዘለዉ እዋን፡ ኣብታ ሃገር ናይ ስግኣት ደበና የንጸላሉ ምህላዉ ተሓቢሩ። ምስ ምውጻእ ሓይልታት ኣሜሪካን ሰራዊት ኔቶን፡ ዕጡቕ ጕጅለ ጣሊባን’ውን ሓይሊ ስለ ዝደለበ፡ ብሕልፊ እኳ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ከውርዶ ንዝኽእል ሃስያ ሻቕሎት ፈጢሩ ኣሎ። ብኣገላልጻ ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ካብ ኣፍጋኒስታን፡ ኣራሽ ኣራብሳዲ፡ እቶም ኣብ ጽላል ኣሜሪካ ተወሊዶም ዝዓበዩ መንእሰያት፡ ሕጂ ንኻልእ ገጽ ክዳለዉ’ዮም ይብል።

ንፍሉይ ሓይልታት ሰራዊት ኣፍጋኒስታን ጽዒና ኣብ ካንዳሃር እትጓዓዝ ዝነበረት ድርዕቲ መኪና፡ ብሰራዊት ጕጅለ ጣሊባን ኣብ ቀረባ እዋናት ተሃሪማ ነይራ። ጽባሕ’ቲ ፍጻመ ድማ ሰራዊት ዕጡቕ ጕጅለ ጣሊባን፡ ነታ መለልዪቶም ዝዀነት ጻዕዳ ባንዴራ፡ ኣብ ዶባት ፓኪስታን ከንበልብሉ ተራእዮም።

ኣብቲ ብኣፈኛ ዕጡቕ ጕጅለ ጣሊባን ዝተደለወ ምዃኑ ዝተሓበረ፡ ምርግጋጹ ግን ዘይተኻእለ፡ ናይ ቪድዮ መልእኽቲ ድማ ንነበርቲ ከረጋግእ ይፍትን። ብመሰረት’ቲ ዝተዘርግሐ ናይ ቪድዮ መልእኽቲ፡ ህዝቢ ክሃድእ፡ ንቡር ዕለታዊ ስራሓቱ ክቕጽልን ብወገን ሓይልታት ጣሊባን ዝመጾ መጥቃዕቲ ስለ ዘየሎ ድማ መብጽዓ ዝኣቱ’ዩ።

እቲ መልእኽቲ ግን ብብዙሓት ኣፍጋናውያን ከም ዘለዎ ዝውሰድ ኣይኰነን።

ኣደ ክልተ ቈልዑን ተጠባቒት ማሕበራዊ መሰላትንን ዝዀነት መዲና ሳዳት ተቐማጢት ከተማ ካቡል’ያ። ኣብ ኣፍጋኒስታን ዘሎ ናይ ጸጥታ ሃዋሁ ክቕየር ከም ዝጀመረ ከምዚ ብምባል ትገልጽ፤ “ሰራዊት ኣሜሪካ፡ ኔቶን ሃገራት ኤውሮጳን ኣብ ጉዳይ ኣፍጋኒስታን ኢድ ምስ ኣእተዉ፡ ህዝቢ ሰለማዊ ናብራ ከስተማቕር ጀሚሩ ነይሩ። ሕጂ እዘን ዓበይቲ ሃገራትን ውድባትን ክወጻ ምስ ጀመራ ግን፡ ህዝቢ ኣፍጋኒስታን ብሓፈሻ፡ ብሕልፊ እኳ ደቀንስትዮ፡ ናብ ራዕዲ ንምለስ ኣሎና። እንታይ ክወርደና ምዃኑ ብሻቕሎት ንጽበ ኣሎና።”

ኣብ ከተማ ካቡል ቅድሚ ዓመት ናይ ባዕሉ ንግዳዊ ትካል ከፊቱ ዝናበር ዘሎ ሙርታዝ’ውን ብተመሳሳሊ፡ ቅሱን ናብራ ክመርሕ ሃንቀው ከም ዝብል ይሕብር። ቅሱን ናብራ፡ ብኣገላልጻ ሙርታዝ፤ ምውጋድ ኲናት፡ ምጥፋእ ለበዳ ቫይረስ ኮሮናን ምርግጋእ ዕዳጋን’ዩ።

ጕጅለ ጣሊባን ኣብ መኣዲ ዘተ ሰላም ክስታፍ መታን፡ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ጸቕጢ ክገብሩሉ፡ ሙርታዝ ተስፋ ይገብር። እዚ ግን ንኸም በዓል መዲና ዝኣመሰሉ ዜጋታት መለሳ የብሉን። ምኽንያቱ ድማ ከምዚ ክትብል ተረድእ “ናይ ሎሚ ጣሊባን እቶም ቅድሚ 20 ዓመታት እንፈልጦም ጣሊባን’ዮም። ኣብ ስነ-ሓሳቦም ዝተለወጠ ነገር የሎን። መነባብሮ ኣብ ትሕቲ ጣሊባን ማለት ከኣ ልክዕ ከም ኣብ ውሽጢ ሽፋን እንቋቝሖ ምንባር’ዩ፣ ብሕልፊ እኳ ንደቀንስትዮ። ከም ኣደ መጠን፡ ማዕረ’ተን ኣብ ካልእ ሃገራት ዝነበራ ኣደታትን ደቀንስትዮን ማዕረ መሰላትን ዕድላትን ክህልወኒ እደሊ። ደቀይ ውሑስ መጻኢን ሰላማዊ ህይወት ክመርሑ እሓልም። ኣብ ትሕቲ ጣሊባን ዝዓብዩ ቈልዑ እዚ ዕድላት’ዚ ክህሉዎም’ዩ ዝብል ትጽቢት ግን የብለይን። ብሩህ መጻኢስ ይጽናሕ እሞ፡ እቲ መሰረታዊ መሰላት ክረኽቡ ዝኽእሉ’ውን ኣይመስለንን። ብዕድል ወደይ እሻቐል’የ፣ ልዕሊኡ ዘተሓሳስበኒ ግን ዕድል ጓለይ’ዩ።”

ምምሕዳር ባይደን፡ ንመንግስቲ ኣፍጋኒስታን ዝህቦ ሓገዝ፡ ክቕጽል ምዃኑ’ዩ ዝገልጽ። እዚ መብጽዓ’ዚ ግን ነቶም፡ ቅድሚ ሕጂ እኹል-ተረፍ ግፍዒ ዝረኣዩ’ሞ ሕጂ ኣብ ኣፍንጫ ጕጅለ ጣሊባን ዘለዉ ዜጋታት ውሕስነት ዝህብ ኣይኰነን።

XS
SM
MD
LG