ሰበስልጣን ኢትዮጵያ፡ ነቲ ካብ ክልል ዓፋር መሊእና ወጺእና ኢና ዝብል ስምዕታ ዕጡቓት ትግራይ፡ ሓቂ ኣይኮነን ይብልዎ`ለዉ። ወሃቢ-ቓል ህወሓት ኣብዚ ሰሙን`ዚ ክዛረብ ከሎ፡ ፈደራል መንግስቲ ናብ ክልል ትግራይ እቲ ዝድለ ሰብኣዊ ረድኤት ንኽበጽሕ መታን ክኽእል፡ ተዋጋእቶም ካብ ክልል ዓፋር ከምዘውጽኡ ኣፍሊጡ ኔሩ።
ኣርባዕተ መዓልታት ድሕሪ`ቲ ህወሓት ሓይልታተይ ካብ ክልል ዓፋር ኣውጺአ`የ ምባሉ፡ ፈደራል መንግስቲ ከምቲ ተስፋ ተገይርዎ ዝነበረ፡ ናብ ትግራይ ናይ ዝኣትዋ ቓፍላይ ረድኤት ቁጽረን ዘዛየደን ኣይመስልን።
ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ "ሓይልታት ህወሓት ካብ ውሑዳት ከባብታት ማለት ካብ ኤርቢቲ በርሓለ ከምኡ'ውን ከተማ ኣብዓላ እዮም ወጺኦም`ምበር ኣብ ከባቢ ከተማ ኣብዓላ ገና ስለዘለዉ ነቲ መተሓላለፊ መስመር ረድኤት ዕንቅፋት ኮይኖም ኣለዉ፡" ኢሉ ኔሩ፡ ኣብ ካልእ ከባብታት ኣምሓራን ዓፋርን`ውን ገና ኣለዉ ክብል ሓቢሩ'ሎ።
ወሃቢ ቓል ህወሓት ዮሃንስ ኣብርሃም፡ ሓይልታቶም ካብ ክልል ዓፋር ምውጽኦም ብዝምልከት ንድምጺ ኣመሪካ ከምዚ ክብል ተዛሪቡ ኔሩ፡“እቲ ምስሓብ ብመሰረት ኣቐዲሙ ዝወጸ መደብ በብደረጅኡ ተፈጺሙ`ዩ። ከምቲ ኩሉ ግዜ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝብሎ ዘይኮነስ፡ ወይ ናቱ መሻርኽቲ ክልላት ዝብልዎ ዘይኮነስ፡ ኣብዛ ሰዓት`ዚኣ ዝኾኑ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ዓፋር የለዉን። ሰብኣዊ ረድኤት ንምሃብ ቅድመ-ኩነት ዘድልዮ`ኳ እንተዘይኮነ፡ ሓይልታትና ኣብኡ ስለዘየለዉ ረድኤት ንዘይምሕላፍ ምኽንያት ክኸውን የበሉን።"
ዊልያም ደቪድሰን ተንታኒ`ቲ ኣብ ብራስልስ ዝበደበሩ ኣህጉራዊ ጉጅለ ቅልውላው`ዩ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ህወሓት ካብ ከባብታት ክልል ዓፋር ምውጻእ ተወሳኺ ረድኤት ናብ ትግራይ ንምእታው ከምዘኽእል ኣመልኪቱ ኔሩ`ዩ ይብል።
“መንግስቲ ባዕላዊ ምቁራጽ ተኹሲ ድሕሪ ምግባሩ በቐጻሊ ክብሎ ዝጸንሐ፡ ሓይልታት ትግራይ ካብ ከባብታት ዓፋርን ኣምሓራን እንተወጺኦም ፡ ናብ ትግራይ ዝኣቱ ሰብኣዊ ረድኤት ከምዝውስኽ`ዩ። ኣብ ውሽጢ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ኣዝዩ ዘጨንቕ`ዩ። ስለዚ እቲ ሓዲሽ ምዕባለ፡ ናብ ዘይ-ድሩት ተበጻሕነት ሰብኣዊ ረድኤት ከምርሕ ዝኽእል እንተኾይኑ ክንርኢ ኢና።"
ኢትዮጵያዊ ተንታኒ ኪራም ታደሰ ብወገኑ፡ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ረድኤት ናብ ትግራይ ክሓልፍ እንተፍቀደ`ውን፡ ቅድሚ ሎሚ ከምዝተራእየ ሓይልታት ዓፋርን ኣምሓራን ክዓግትዎ ይኽእሉ`ዮም ይብል።
ኪራም ታደሰ ኣስዒቡ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራን ዓፋርን ዘሎ ሰብኣዊ ጠለባት`ውን ከቢድ ምዃኑ ይገልጽ።
“ካብ ሓይልታት ክልል ዓፋር ዝመጽእ ፖለቲካዊ ብድሆታት`ውን ኣነኣኢስካ ዝርኣይ ኣይኮነን። ከምቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ፡ ኣብ ኣምሓራን ዓፋርን `ውን ብዙሓት ሰባት ኣብ ስእነት መግቢ`ዮም ዘለዉ። ስለዚ ኣብ ትግራይ ዘሎ ህጹጽነት መግቢ ከምዘለዎ ኮይኑ፡ ነዚ ኩሉ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ዕንቅፋታት ከወግድ ዝኽእል ኣገባባት ክመጽእ ኣለዎ።"
ብመሰረት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ትግራይ ኣምሓራን ዓፋርን ብድምር፡ 9.4 ሚልየን ህዝቢ ሰብኣዊ ረድኤት ዝጽበ ዘሎ`ዩ። ሕቡራት ሃገራት ብፍላይ ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ሰብኣዊ ኩነታት ግን ኣዝዩ ዘሻቕል ምዃኑ ይገልጽ ፡ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ካብ ከተማ ሓይቅ ሰሜን ወሎ ሰባት ቆጽለ-መጽሊ ሱራትን ዕንባባታትን ክበልዑ ከምዝጀመሩ ይገልጽ። ስለዚ ኣይንላዕሊ ኣይንታሕቲ ጸገም ድማ ገና ቀጺሉ ይርከብ ይብል።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።