ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምርጫ ክፍለ ግዝኣት ፔንስልቫንያ ኣብ ኣጀንዳ ፕረ.ባይደን ወሳኒ ምዃኑ ይግለጽ ኣሎ


ምርጫ ክፍለ ግዝኣት ፔንስልቫንያ ኣብ ኣጀንዳ ፕረ.ባይደን ወሳኒ ምዃኑ ይግለጽ ኣሎ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:56 0:00

ምርጫ ክፍለ ግዝኣት ፔንስልቫንያ ኣብ ኣጀንዳ ፕረ.ባይደን ወሳኒ ምዃኑ ይግለጽ ኣሎ

ኣመሪካ 8 ሕዳር 2022 ኣ\ፈ ኣብ ዝካየድ ናይ ማእኸላይ ዘመን ምርጫ ሪፓብሊካዊያን ንኽልቲኡ ኣብያተ ምኽሪ ማለት እውን ንመወሰኒ ሕጊ ሰኔትን ንቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢን እንተተቖፃፂሮምዎ ናይ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣጀንዳታት መስመሮም ክስሕቱ እዮም።ኣብ ክፍለ ግዝኣት ፔንስሊቨኒያ ቀንዲ ናይ ሰኔት መንበር መን ዓተረ ኣብዚ ዓመት ዝለዓለ ጠመተ ዝተገብረሉ ንሕንሕ ኮይኑ ኣሎ።

ብሙያ ናይ መጥባሕቲ ሓኪም ዝኾነን ኣብ ቴሌቪዥን ፍሉጥ ምርኢት ወይ ቶክ ሾው ዘለዎን ዶክተር ኦዝ ኣብ ክፍለ ግዝኣት ፔንስሊቨኒያ ንሪፓብሊካን ፓርቲ ብምውካል ሕፁይ ተወዳዳራይ ሰኔት ኣመሪካ ኮይኑ ኣሎ።ኦዝ ከም ጋሻ ተወዳዳራይ ተጌሩ ተወሲዱ ኣሎ። መወዳድርቱ ዝኾነ ጆን ፈተርማን ኦዝ ኣብ ምስዳድ ጥንሲ ኣዚዩ ጥቡቕ ስለዝኾነ መረፅቲ ንኦዝ ክነፅጉዎ ኣለዎም ይብል።

XS
SM
MD
LG